ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ከምእተለኽፉ ተረጋጊጹ።
ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ከምእተለኽፉ ተረጋጊጹ።
ክልተኦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 13 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 306 በጺሑ’ሎ። 274 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 32 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
20 ነሓሰ 2020