Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ሎሚ 27 ነሓሰ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ከምእተለኽፉ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም ምልካፎም በቲ ቫይረስ ዝተረጋገጸ ዜጋታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 317 በጺሑ’ሎ። 284 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 33 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 27 ነሓሰ 2020

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More