ኣብ መወሸቢ ማእከል በይሉል – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሎሚ 29 ነሓሰ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓንቲ ዜጋ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፋ ተረጋጊጹ’ሎ።
እዛ ዜጋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሰት’ያ።
ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ብደረጃ ዞባና ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ዋሕዚ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብፍኑው ዝምለሱ ዜጋታት ስለዘየቋረጸ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ናይ ዝተመልሱ ዜጋታት ድምር ቊጽሪ 14,190 በጺሑ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 318 በጺሑ’ሎ። 284 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 34 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
29 ነሓሰ 2020