ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ – ዞባ ደቡብ ሎሚ 31 ነሓሰ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓንቲ ዜጋ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፋ ተረጋጊጹ’ሎ።
እዛ ዜጋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሰት’ያ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 319 በጺሑ’ሎ።
284 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 35 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
31 ነሓሰ 2020