ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣዲባራን ሽላሎን – ዞባ ጋሽ-ባርካ ሎሚ 3 መስከረም ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 11 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዞም ዜጋታት፡ 10 ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ፡ ሓደ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሽላሎ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
ብምልኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝጸንሑ 11 ዜጋታት፡ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 330 በጺሑ’ሎ።
295 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 35 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
3 መስከረም 2020