Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ መወሸቢ ማእከላት ማይ-ምነ፡ እንዳገርግስ፡ ጾሮናን ሰርሓን – ዞባ ደቡብ ሎሚ 8 መስከረም ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 11 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም ዜጋታት፡ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ማይ-ምነ፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል ጾሮና፡ 6 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ብምልኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 341 በጺሑ’ሎ።

295 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 46 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

8 መስከረም 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More