Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ሎሚ 22 መስከረም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ድሕሪ ምርግጋጹ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ካብ ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ዛጊት እቶም 309 ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ 55 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ኣብ ኤርትራ፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ዝተረጋገጸ ዜጋታት፡364 እዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

22 መስከረም 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More