Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 26 መስከረም ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 6 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም ዜጋታት፡ 5 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ – ዞባ ደቡብ፡ 1 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ባዳ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ብምልኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 11 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 375 በጺሑ’ሎ። 341 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 34 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

26 መስከረም 2020

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More