ብምኽንያት ጽባሕ ሰንበት 27 መስከረም 2020 ዝኽበር በዓለ-መስቀል፡ ምስ ዘሎ ቅጥዕታት መኸተ ‘ኮቪድ-19’፡ እቲ ልሙድ ኣብ
ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝካየድ ስነ-ስርዓት ክግበር ስለዘይከኣል፡ ኩሉኹም ህዝበ ክርስትያን ኣብ በቤትኩም ኴንኩም ነቲ ክብረ-
በዓል ብጸሎት ክትዝክሩን ነቲ ብተሳትፎ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥራይ ካብ ሰዓት 8፡00 ንግሆ ጀሚሩ ብኤሪ-ቲቪ ብቐጥታ ዝፍኖ ወግዓዊ
ስነ-ስርዓት ክትከታተሉን ነዘኻኽር።
ቅዱስ ሲኖዶስ
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ