Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 1 ጥቅምቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 6 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም ዜጋታት፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሽላሎ፡ 1 ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ፡ 1 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሙኩቲ፡ 1 ኣብ መወሸቢ ማእከል ጎልጅ፡ 1 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኡምሓጀር ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ብምልኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ጋሽ-ባርካን ደቡብን ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 12 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

እቶም ዜጋታት፡ 2 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 10 ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 381 በጺሑ’ሎ። 353 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 28 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

1 ጥቅምቲ 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More