Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 3 ጥቅምቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም ዜጋታት፡ 14 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ፡ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ማይ-ምነ፡ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ጸሮና፡ ሓደ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ብምልኦም ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ብደረጃ ዞባና ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ዋሕዚ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብፍኑው ዝምለሱ ዜጋታት ስለዘየቋረጸ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ናይ ዝተመልሱ ዜጋታት ድምር ቊጽሪ 17,490 በጺሑ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ደቡብን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

እቶም ዜጋታት፡ 4 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 398 በጺሑ’ሎ። 358 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 40 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 3 ጥቅምቲ 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More