Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካን ማእከልን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ትማሊ 8 ጥቅምቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም ዜጋታት፡ 5 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሽላሎ፡ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ (ሆቴል ኒያላ) ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ሽድሽተ ካብዚኦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተመልሱ ክኾኑ ከለዉ፡ እታ ሓንቲ ድማ ቅድሚ 14 መዓልታት ብነፋሪት ካብ ኣዲስ-ኣበባ ዝመጸትን ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ ተዓቚባ ዝጸንሐትን ምዃና ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 6 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 405 በጺሑ’ሎ። 364 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 41 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

8 ጥቅምቲ 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More