Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 10 ጥቅምቲ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 9 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም ዜጋታት፡ 5 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ፡ 4 ከኣ ኣብ መወሸቢ ማእከል ጸሮና ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ትሽዓተኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 414 በጺሑ’ሎ። 372 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 42 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

10 ጥቅምቲ 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More