ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 5 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 4 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተመልሱ ዜጋታት፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ፡ 2 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሻምብቆ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 484 በጺሑ’ሎ። 429 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 55 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
5 ሕዳር 2020