Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 7 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ዜጋታት፡ 4 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ ሓደ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ጸሮና ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 9 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

ንሳቶም ድማ፡ 8 ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ድማ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝጸንሑ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 491 በጺሑ’ሎ። 438 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 53 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

7 ሕዳር 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More