ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 12 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተመልሱ ዜጋታት፡ ሓንቲ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሻምብቆ፡ ሓደ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኦምሓጀር ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ዓንሰባን ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 6 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
ንሳቶም ድማ፡ 5 ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ዓንሰባ ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 493 በጺሑ’ሎ። 444 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 49 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
12 ሕዳር 2020