ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 19 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 9 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተመልሱ ዜጋታት፡ 7 ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ፡ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሽላሎ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ምኲቲ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ብደረጃ ዞባና ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ዋሕዚ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብፍኑው ዝምለሱ ዜጋታት ስለዘየቋረጸ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ናይ ዝተመልሱ ዜጋታት ድምር ቊጽሪ 21,655 በጺሑ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 527 በጺሑ’ሎ። 456 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 71 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
19 ሕዳር 2020