ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 23 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብዚኦም እቶም 3 ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱን ኣብ መወሸቢ ማእከል ጊብዶ (ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ተዓቚቦም ዝጸንሑን ዜጋታት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 4 ድማ፡ 3 ካብ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ድማ ካብ ጀርመን ብነፋሪት ኣትዮም ኣብ ኣስመራ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 558 በጺሑ’ሎ። 473 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 85 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
23 ሕዳር 2020