ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 3 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብቻርተር ነፈርቲ ዝተመልሱ ዜጋታት፡ 12 ካብ ኢትዮጵያ፡ 2 ካብ ዓዲ-ጥልያን፡ 2 ካብ ጀርመን፡ 1 ድማ ካብ ሽወደን ኰይኖም፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 594 በጺሑ’ሎ። 498 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 96 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
3 ታሕሳስ 2020
ኣስመራ