ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 7 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ዜጋታት፡ ብምልኦም ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ብደረጃ ዞባና ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ዋሕዚ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብፍኑው ዝምለሱ ዜጋታት ስለዘየቋረጸ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ናይ ዝተመልሱ ዜጋታት ድምር ቊጽሪ 22,647 በጺሑ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 9 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 649 በጺሑ’ሎ። 517 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 132 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
7 ታሕሳስ 2020