ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 10 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ እቶም ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ተዓቚቦም ዝጸንሑ 5ን ኣብ መወሸቢ ማእከል ባረንቱ ዝጸንሐ ሓደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ክዀኑ ከለዉ፡ እታ ሓንቲ ከኣ ካብ ተሰነይ’ያ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካን ማእከልን ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 656 በጺሑ’ሎ። 525 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 131 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
10 ታሕሳስ 2020