Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 19 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 13 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እቶም ዜጋታት፡ 4 ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብቻርተር ነፋሪት ካብ ኡጋንዳ ዝተመልሱን ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑን ክኾኑ ከለዉ፡ 9 ድማ ዝኾነ ናይ መገሻ ታሪኽ ዘይብሎም ካብ ኣስመራ’ዮም።

ዋሕዚ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብፍኑው ዝምለሱ ዜጋታት ስለዘየቋረጸ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ናይ ዝተመልሱ ዜጋታት ድምር ቊጽሪ 26,893 በጺሑ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 754 በጺሑ’ሎ። 580 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 174 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

19 ታሕሳስ 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More