Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ጋሽ-ባርካን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ሎሚ 21 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 53 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እቶም ዜጋታት፡ 27 ካብ ሰንዓፈ – ዞባ ደቡብ፡ 3 ካብ ዓዲ-ዃላ – ዞባ ደቡብ፡ 21 ካብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ካብ ተሰነይ – ዞባ ጋሽ-ባርካ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 17 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 807 በጺሑ’ሎ። 597 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 210 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና
21 ታሕሳስ 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More