Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከልን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ሎሚ 22 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 25 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

 

እቶም ዜጋታት፡ 12 ካብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ ሓንቲ ካብ መወሸቢ ማእከል ማይ-ምነ፡ ሓደ ድማ ካብ መወሸቢ ማእከል ደቀምሓረ – ዞባ ደቡብ፣ 11 ከኣ ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ትካላት ጥዕና ኣስመራ – ዞባ ማእከል ብዝተገብረ መርመራታት’ዮም፡ መልከፍቶም ተረጋጊጹ ዘሎ።

 

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ደቀምሓረ – ዞባ ደቡብ ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ወዲ 50 ዓመት ዜጋ ግን ዓሪፉ’ሎ።

  

ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 832 በጺሑ’ሎ። 599 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ ሓደ ዓሪፉ፡ 232 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

 

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 

22 ታሕሳስ 2020

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More