ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ሎሚ 25 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 41 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብዚኦም፡ እቶም 33 ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት፣ 6 ኣብ መወሸቢ ማእከል ዓዲ-ዃላ – ዞባ ደቡብ፣ 2 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣቑርደት – ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዝተገብረ መርመራታት’ዮም መልከፍቶም ተረጋጊጹ ዘሎ።
ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 992 ክኸውን እንከሎ፡ 600 ካብኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ ሓደ ብሞት ዝተፈልየ፡ 391 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
25 ታሕሳስ 2020