Business is booming.

  ብምኽንያት በዓል ልደት ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፳፻፲፫ (2021)      ብኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ፥      

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ  ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ እግዚኣብሔር ፡ ኣብ ሆስፒታል ዘለኹም  ሕሙማነ ሥጋ ፥ ሕዝብኹም ንምድሓን ኣብ ሓያል ጻዕሪ እትርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን  ዘለኹም  ሠራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሡራትን እንኳዕ ናብ በዓለ ልደት ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብጸሓኩምን ኣብጸሓናንን ንብል።

ነቢይ ኢሳይያስ ሕዝብ ዘይነበር ውስተ ጽልመት ውጽላሎተ ሞት ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ  (ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ  ብርሃን ረኣየ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወጻሎም ) ብማለት ብትንቢት ተናገረ። ( ኢሳ 9፡2 )

መፍቀሬ ሰብእ እግዚኣብሔር ኣምላክና ኣዳምን ደቁን ኣብ ጸልማት  ወዲቖም ክምዘይተርፉ  ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከምዘድሕኖም ተስፋ ድሕነት ሂብዎም ነበረ ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ድሕነት ብዓይኖም ክርእዩ ሃብተ ትንቢት ዝተዋህቦም ቅዱሳን ነቢያት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ “ ኣንሥእ ኃይለከ ወነዓ ኣድኅነነ  ስሞዓነ ኣምላክነ ወመድኃኒነ “ ኣናበሉ ለመኑ።  ጊዚኡ ምስ በጸሐ  ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነብሩ ምእምንቲ ኬድሕን ንሕናውን ናይ ዉሉድነት ሥልጣን ምእንቲ ክንረክብ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ኣብ ትሕቲ ሕጊውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ( ገላትያ 4 ፥4-5 ) ።

እነሆ ድማ ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣብ ክሕደትን ጥፍኣትን ንዝነበረት ዓለም ንምብራህ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ንምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ።

ብልደቱ ድማ እግዚኣብሔርን ሰብን ፥ ሰብን መላኽትን ሕዝብን ኣሕዛብን ሥጋን ነፍስ ተዓረቑ። ብሥራት ድሕነት ስለ ዝተኣወጀ ድማ  ሰብን መላኽትን ብሓድነት ንፈጣሪኦም ኣመስገኑ። ዮም ኣሐደ መርዔተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ፡ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ እሚን፥ ሎሚ ንክርስቶስ ምእንቲ ኸመስግኑ መላእክትን ደቂ ሰባትን ሓደ መጓስ(ማሕበር) ኾኑ’’ ይብለና (መጽሓፈ ድጓዓ) ።

ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር

ቅድስት ቤተክርስቲያንና ነዚ ክቡር በዓለ ልደት ዓመት መጸ ገዳማትናን ኣብውሽጢ ሃገርናን ወጻእን ዝርከባ ሰበኻ ኣብያተክርስቲያናት ብዙሓን ውሉደክህነት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእምናን ምእመናትን መንእሰያትን ዝሳተፍዎ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ከተብዕሎ ከምዝጸነሐት ዝፍለጥ ኮይኑ ሎሚ ግና ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ  ብኣገልገልቲ ዉሉደ ክህነት ጥራይ ኣብ ነፍስ ወከፍ ገዳማትን ኣብያተክርስቲያን ኪፍጸም እዩ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ ናይ ሞት ሓደጋ ከየጋጠመ ብምጽንሑ ተመስገን ክንብል እኳ እንተጸናሕና ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት እቲ ለበዳ ኣብ መላእ ሃገርና ከም ዘስፋሕፈሐን መገሻ ዘይነበሮም ሰባት ከይተረፈ  በዚ ሕማም ከምእተለኽፉን ከም ዝሞቱን ብመራኸቢ ብዙሓን ተገሊጹና ኣሎ ። እምበኣርከስ ነዚ ሕማም ኣመልኪቱ መንግስቲ ዘውጸኦም ዘሎ መምርሒታት ንድሕነትናን ድሕነት ስድራ ቤትናን ብሓፈሻ ንድሕነት ሕዝብናን ምዃኑ ኣሚንና ብትኩርነት ክንፍጽሞ ሓደራ ንብል ። ምሕረቱ ዘይውዳእ እግዚኣብሒር ብዓይነ ምሕረቱ ጠሚቱ ቁጥዕኡ ናብ ትዕግስቲ ቀይሩ ምሉእ ምሕረት ምእንቲ ክህበና ከየባተኽና  ንጸሊ።

እዛ ክብርቲ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ፍቕሩ ዝገለጸላ ዕለት ስለዝኾነት ንሓድሕድና ብምፍቓር ንጽጉማት ወገናትና ብምሕጋዝ  ንዝዓረቑ ብምኽዳን ንዝጠመዩ ብምዕንጋል ንዝሓመሙ ምሕረት ኪረኽቡ ጸሎት ብምጻሕ ከነብዕላ መልእኽትና ነመሓላልፍ ።

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ይግበረልና //

ንኽሎም ኣብ ሕማምን መከራን ዘለዉ ወገናትና  ፍጹም ትዕግስትን ጽንዓትን የሃበልና //

ንሕዝብናን ንመላእ ዓለምን  ሰላምን  ምሕረትን ኪህበና ቅዱስ ፍቓዱስ ይኹነልና //  ኣሜን።

 

ኣቡን ጴጥሮስ

ዓቃቤ መንበረ ፓትርያሪክ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More