ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ደቡብን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ሎሚ 8 ጥሪ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 111 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 69 ካብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት 40 ካብ ኣዲባራ፡ 11 ካብ ተሰነይ፡ 11 ካብ ባረንቱ፡ 2 ካብ ኦምሓጀር፡ 2 ካብ ጎልጅ፡ 2 ካብ ዓሊ-ግድር፡ ሓደ ድማ ካብ ሃይኮታ፣ 35 ካብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባ ማእከል፣ 6 ካብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ማለት 3 ካብ እማህሚመ፡ 2 ካብ ጋሕቴላይ፡ ሓደ ድማ ካብ ጊንዳዕ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ እዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 38 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 25 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 63 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ክንክን ክግበረሎም ካብ ካብ ዝጸንሑ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ወዲ 60ን ወዲ 55ን ዓመት፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ድማ ወዲ 50 ዓመት – ብጠቕላላ 3 ዜጋታት ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1556 በጺሑ’ሎ። 803 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 6 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 747 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
08 ጥሪ 2021