ሎሚ 15 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 72 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 30 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት 13 ኣብ ኣዲባራ፣ 8 ኣብ ዓሊ-ግድር፣ 6 ኣብ ተሰነይ፣ 2 ኣብ ባረንቱ፣ ሓደ ኣብ ኦምሓጀር፣ 21 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 21 ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 31 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 27 ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ብጠቕላላ 59 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1877 በጺሑ’ሎ። 1073 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 6 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 798 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
15 ጥሪ 2021