Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 20 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 33 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 24 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 3 ኣብ ሰንዓፈ፡ መንደፈራን ደቀምሓረን – ዞባ ደቡብ፣ 6 ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 108 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 53 ኣብ ዞባ ደቡብ – ብጠቕላላ 161 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1910 በጺሑ’ሎ። 1234 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 6 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 670 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

20 ጥሪ 2021

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More