ሎሚ 21 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 2 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓንቲ ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 58 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 7 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 5 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 70 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1913 በጺሑ’ሎ። 1304 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 6 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 603 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
21 ጥሪ 2021