Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 21 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

 

ካብ’ዚኦም፡ 2 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓንቲ ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

 

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 58 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 7 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 5 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 70 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

 

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1913 በጺሑ’ሎ። 1304 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 6 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 603 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 

21 ጥሪ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More