ሎሚ 22 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 27 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 19 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 8 ድማ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1940 በጺሑ’ሎ። 1304 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 6 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 630 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
22 ጥሪ 2021