ሎሚ 25 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 10 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 8 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓደ ኣብ ክፍሊ ተመላለስቲ ሕሙማት ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓደ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 74 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 72 ዓመት ዜጋ ድማ ኣብ ዓዲ-ዃላ ብሞት ተፈልዩ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1950 በጺሑ’ሎ። 1378 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 565 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
25 ጥሪ 2021