Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 26 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 20 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 16 ኣብ መወሸቢ ማእከላት፣ 4 ድማ ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ብዝተገብረ መርመራታት’ዮም መልከፍቶም ተረጋጊጹ ዘሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 152 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1970 በጺሑ’ሎ። 1530 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 433 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

26 ጥሪ 2021

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More