Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 29 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 50 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 26 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 17 ኣብ ኣዲባራ፡ 5 ኣብ ባረንቱ፡ 3 ኣብ ሃይኮታ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኣቑርደት፣ 10 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 7 ኣብ እማህሚመ፡ 2 ኣብ ጊንዳዕ፡ ሓደ ከኣ ኣብ ባጽዕ፣ ከምኡ’ውን 14 ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ መርመራታት’ዮም መልከፍቶም ተረጋጊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 44 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 45 ዜጋታት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2135 በጺሑ’ሎ። 1594 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 534 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

29 ጥሪ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More