ሎሚ 29 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 50 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 26 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 17 ኣብ ኣዲባራ፡ 5 ኣብ ባረንቱ፡ 3 ኣብ ሃይኮታ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኣቑርደት፣ 10 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 7 ኣብ እማህሚመ፡ 2 ኣብ ጊንዳዕ፡ ሓደ ከኣ ኣብ ባጽዕ፣ ከምኡ’ውን 14 ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ መርመራታት’ዮም መልከፍቶም ተረጋጊጹ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 44 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 45 ዜጋታት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2135 በጺሑ’ሎ። 1594 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 534 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
29 ጥሪ 2021