Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 3 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ዓንሰባ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 42 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 26 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት 11 ኣብ ከባቢ ሽላሎ፡ 7 ኣብ ኣዲባራ፡ 3 ኣብ ጎልጅ፡ 2 ኣብ ባረንቱ፡ 2 ኣብ ተሰነይ፡ ሓደ ኣብ ዓሊ-ግድር፣ 11 ኣብ መወሸቢ ማእከል ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ 3 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ማለት ሓደ ኣብ ጢዖ፡ 2 ኣብ ኣፋምቦ፣ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ጊንዳዕ – ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓደ ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ – ዞባ ማእከል ብዝተገብረ መርመራታት’ዮም መልከፍቶም ተረጋጊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 20 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 6 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል ብጠቕላላ 26 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2309 በጺሑ’ሎ። 1683 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 619 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

03 ለካቲት 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More