ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 75 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 55 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 21 ኣብ ድባርዋ፡ 11 ኣብ መንደፈራ፡ 10 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 6 ኣብ ሰንዓፈ፡ 3 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ ሓደ ኣብ ደቀምሓረ፡ ሓደ ኣብ እንዳገርግስ፡ ሓደ ኣብ ማይ-ዓይኒ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ዓረዛ እዮም።
ብዘይካ’ዚ፡ 16 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 4 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዓሰብ – ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 60 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 2 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል ብጠቕላላ 62 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2401 በጺሑ’ሎ። 1781 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 613 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
09 ለካቲት 2021