ሎሚ 10 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 15 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 5 ኣብ ኣዲባራ፡ 5 ኣብ ዓሊ-ግድር፡ 2 ኣብ ጎልጅ፡ 2 ኣብ ባረንቱ፡ ሓደ ድማ ኣብ ገርገፍ፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 25 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 14 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 4 ድማ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ብጠቕላላ 43 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2418 በጺሑ’ሎ። 1824 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 587 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
10 ለካቲት 2021