Business is booming.

ሓርበኛ ኪዳነ ህዳድ

ብነጸረኣብ ኣዛዚ

ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትትርኽ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ክትጠቅስ ግዴታ እዩ። ምስ ሓምድ  ተኣሳሲሩ ድማ፡ ኪዳነ ህዳድ ምዝካሩ ዘይተርፍ’ዩ።

ኪዳነ ህዳድ ቁርባን ብ1928 ኣብ በጉ ከባቢ ከረን ተወሊዱ። ብ1950 ድማ፡ ኣብ ፖሊስ እንግሊዝ ተኸቲቡ። ኣብ ስለያ ተመዲቡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኤርትራ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ መወዳእታ 1950ታት ናብ ተሰነይ ተቐይሩ። ሽዑ ድማ እዩ ነቲ ብዝና ጥራሕ ዝፈልጦ ዝነበረ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብኣካል ክላለዮ ዕድል ዝረኸበ። ሓምድን ኪዳነን ክቀራረቡ ምኽንያት ዝኾኖም፡ ኣብ ትውልዲ ዓዲ ኪዳነ ደቂ ሓዎቦኡ ንሓምድ ይቕመጡ ብምንባሮም እዩ። ሓምድ ወትሩ ብዛዕባ ኣሕዋቱ ንኪዳነ ይሓቶ፡ ኪዳነ ድማ ሰላምታ የብጽሓሉ ነበረ። በዚ ዝጀመረ ምቅርራብ ቀስ ብቐስ ናብ ዱልዱል ዕርክነት ሰገረ። ሓምድ  ካብ ዓዱ ገርሰት ንከተማ ተሰነይ እናክኸይድ፡ ብረቱ ግድን ኣብ እንዳ ፖሊስ ኣቐሚጡ ንሹቕ ስለዝኣቱ፡ ተሰነይ በጺሑ ንኪዳነ ከይረኸበ ይምለስ ኣይነበረን። ሓምድ ኣብ ግዜ ዕስክርና ጥልያንን እንግሊዝን እዋን ሽፍትነትን ዝገብሮ ዝነበረ ቅያታት ብዝምልከት ንኪዳነ ዘይምኖ ዕላላት የውግዖ ነበረ። ካብኡ ሓሊፎም፡ ኪዳነን ሓምድን ከም ብዙሓት  ሃገራውያን ናይቲ እዋን’ቲ፡ ብዛዕባ’ቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራ እሂን ምሂን ምባሎም ኣይተረፈን። ጸኒሖም፡ ክልቲኦም ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ተወደቡ። እንተኾነ ሓራካ (ማሕበር ሸውዓተ) ብኣንጻር ትጽቢት ብዙሓት፡ ህርመት ልቢ ዜጋታት ኣድሚጻ ሰውራ ክትጅምር ኣይከኣለትን።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣልኣዝሃር ካይሮ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮን ወተሃደራት ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያንን በብወገኖም ‘ካብ መግዛእቲ ክንናገፍ ብረታዊ ቃልሲ ጥራሕ ክንጅምር ኣለና’ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ነበሩ። “መን እዩ እሞ በረኻታት ኤርትራ ዝፈልጥ፧ ብረትከ ካበይ ይረኸብ፧” ዝብል ሓሳብ ምስ መጸ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት ሱዳን ኤርትራውያን “ንሓምድ ንሕተቶ” ኢሎም ካብ ገርሰት ከሰላ ከምዝመጾም ገበሩ። ብረትን ዕጥቅን ሰራዊት ኢትዮጵያ እንታይ ይመስል ምስ ሓተትዎ ከኣ “ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝዓጠቅዎ ጓንዴ’ዩ፡ ናይ ጦር ግን ብርግጽ ኣይፈልጦን’የ” በሎም። “መን ኣሎ ሓበሬታ ክህበና ዝኽእል” ምስ ተባህለ ድማ ንኣባል ስለያ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኪዳነ ህዳድ ረቚሓሎም። ኪዳነ ብተሌፎን ተጸውዐ። ምኽንያት መጸዊዒኡ ስለ ዘይተነግሮ ከኣ፡ ብሻቕሎት “ጰጥሮስ ሓወይ (ሽዑ ወተሃደር ሱዳን ዝነበረ) ሓሚሙ ወይ ድማ ሞይቱ ክኽውን ኣለዎ” ኢሉ እናሓሰበ፡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ከሰላ ኣተወ። ኣብ ምውፋር መካይን ክጽበዮ ዝጸንሐ ዑመር እዛዝ ድማ ብመኪና ናብ ኢሚግረሽን ወሲዱ ወረቐት ኣሳለጠሉ። ኪዳነ ተረቢጹ ስለዝነበረ ኩነታት ሓዉ ሓተቶ። ዑመር እዛዝ፡ ንጰጥሮስ ዘጋጠሞ ነገር ከምዘየለ ግን ብፍሉይ ጉዳይ ከም ዝደለይዎ ሓበሮ።

ድሕሪ’ዚ እቶም ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ “ንሕና ዝጸዋዕናካ ንስኻ እትፍጽሞ ነገር ስለዘሎ’ዩ። ምሳና እንተቐጸልካ ጽቡቕ። ኣይደልን እንተበልካ ኸኣ እቲ ጉዳይ ተሰቲሩ ክተርፍ ኣለዎ።’ ብምባል ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምጺኦም ኣምሓልዎ። በዛ ማሕላ እዚኣ ድማ ኪዳነ ህዳድን ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ሰውራ ንምፍላም ሓዊ ደጒሎም ንኤርትራ ተመልሱ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ኢትዮጵያ ንፈደረሽን ብውግዒ ኣፍሪሳ ንኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትገብራ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚዳ ነበረት። ነዚ መደብ’ዚ ዕንቅፋት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ንዝበለቶም ድማ፡ ንገለ ብህያብ ንገለ ብስልጣን ክትዕድጎም ከላ፡ ንከም በዓል ሓምድ ዝኣመሰሉ ተጻራሪ መርገጺ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም ዝበለቶም ከኣ ምስምስ ፈጢራ ኣብ ቀይዲ ከተእትዎም መደበት። በዚ ድማ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ናብ ገርሰትን ተሰነይን እናኸዱ ንሓምድ ክሓባብልዎን ከፈራርሕዎን ጀመሩ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ 1961 ሓምድ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ከሎ ኪዳነን ብጾቱን  ብበረኻ መጺኦም ክድረሩ ናብ  ገዝኡ ኣዕረፉ። ድሕሪ ድራር ሓምድ ነቲ ገጢምዎ ዝነበረ ጸገም ኣመልኪቱ ክመክር ምስ ዓርኩን ናይ ዕላማ ብጻዩን ኪዳነ ግልል ኢሎም ንመጨረሽታ ግዜ ብኣካል ተዛራረቡ።

ሓምድ ንኪዳነ፡ “የጻብቡለይ ኣለዉ። ክልተ ግዜ ረኺቦሙኒ ሕጂ ድማ ቆጸራ ጌሮምለይ  ኣለዉ። ከም ዝመስለኒ ክኣስሩኒ’ዩ መደቦም። ብዛዕባና ዝወጸ ምስጢር ኣሎ ድዩ፧ ዝሰሎኸ ሓበሬታ ከይህሉ፧ እንተደኣ ከምኡ ኮይኑ ከይቀደሙኒ ክወጽእ” በሎ። ኪዳነ ድማ “ዝተፈልጠ ምስጢር የለን። ሕጂ ክረምቲ እዩ ሓዳርካን ንብረትካን ኣይትበትን። ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ ኣቐዲመ ከም እትፈልጥ ክገብርየ” ኢሉ ኣረጋግኦ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ልዕሊ ሓምድን ምቅስቓሳቱን ፍሉይ ምክትታል ካብ ምግባር ኣየቋረጹን። ብፍላይ ሜጀር ዓብደልቃድር መሓመድ ዓሊን ሜጀር ገብረኺዳን ተስፋይን፡ ሓምድ ኣብቲ ከባቢ ዝሸፈቱ ሓሙሽተ ሰባት፡ ካብ በረኻ ከእትዎም ጸቕጢ ይገብርሉ ነበሩ። ሓምድ ግን “ኣነ ገባራይ ብረሃጸይ ዝነብር ሓረስታይ’የ። ሰባት ናብ ሽፍትነት ከዋፍር ዓቕምን ስልጣንን የብለይን!” ይብሎም ነበረ። ጸቕጢን ምፍርራሕን ግን ኣይቋረጸን። ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓምድ ስጉምቲ ክውሰድ ተወሰነ። ምናልባት ሓሳቡ እንተቐየረ ተባሂሉ ግን፡ ንኮን ዶኾነ ናይ መወዳእታ ደብዳቤ ተላእከትሉ። ካብ ኣንደበት ኪዳነ ህዳድ፦

“ብሓደ ወተሃደር ሓንቲ ብቋንቋ ጣልያን ዝተጻሕፈት ደብዳቤ ለኣኹሉ። እቲ ወተሃደር ኣብ ሰፈር ሓምድ ምስ በጽሐ ብኢዱ ዘይኮነ ብገባር’ዩ ልኢኽሉ። ከም’ቲ ወትሩ ትድለ ኣለኻ ዝብልዎ፡ ካብ መጸዋዕታ ሓሊፋ ኻልእ ክትከውን ከም ዘይትኽእል ዝጠርጠረ ሓምድ ንቡር መልሲ ኣይጸሓፈሎምን። ብግልባጥ ናይታ ቡስጣ፡ “ካባኻትኩም ሰብኣይ ዝኾነ ኣብቲ ሩባ ይርከበኒ” ኢሉ መልሲ ሰዲድሎም። ንሳቶም ናብቲ ዝበሎ  ሩባ ኣይሰዓብዎን። ንሱ ኸኣ ናብ ገዝኡ ኣይተመልሰን።”

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብ17 ነሓሰ 1961 ካብ ገዝኡ ነታ ካብ እንግሊዝ ዝመንዝዓ ኣቡ ዓሸራ ዓጢቑ ናብ በረኻ ነቐለ። ንሱ ዋላ’ኳ ከይቀደምዎ በረኻ ክወጽእ እንተወሰነ፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ክገጥም ድሌት ኮነ ብቕዓት ኣይነበሮን። ካብ ምክትታል ፖሊስ እናሃደመን እናተሓብአን ካብ መዓልታት ሓንቲ መዓልቲ ሃይኮታ ሓሊፉ ስግር ኣለቡ ናብ እትርከብ ባልቃይ እትበሃል ዓዲ ኣተወ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ኢትዮጵያ ዝወደበቶም ሃሱሳት ኣውቶቡስ ሓጂ ሓሰን ተሰቒሉ ንተሰነይ ተሃንፈፈ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ነቲ ጃሱስ መጀመርያ ኣብ መደበር ፖሊስ ተሰነይ ተቐቢሉ ዘዘራረቦን ምስ ሜጀር ገብረኺዳን ተስፋይ ዘራኸቦን ኪዳነ ህዳድ ነበረ።

እቲ ሃሱስ፡ “ሓምድ ዓዋተ ምስ ሻውዓይ ርእሱ ኣብ ባልቃይ መጺኡ’ሎ። ዕድልኩም ሕጂ እያ። ሎሚ ረኺብኩም ሎሚ ሰኣንኩም። ኣብ ማእከል ዓዲ ኮፍ ኢሉ ኣሎ” በሎም። ኣብቲ ግዜ’ቲ ሓምድ ናብ ሽፍትነት ተመሊሱ ደኣ’ምበር ሰውራ ጀሚሩ ዝብል ወረ’ውን ገና ኣይተናፈሰን ነይሩ። ሓምድ በረኻ ምውጽኡ ግን፡ ከምቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ እንግሊዛዊ ኮሎኔል ደቪድ ክራክነል “ሓምድ እሾኽ ግራጭ’ዩ” ዝበሎ ንኢትዮጵያ ዓቢ ስግኣት እዩ ኣሕዲሩላ።  ንምሓዙ ድማ፡ ካብ ኣስመራ ዝወፈሩ ፊልድ ፎርስ ምስ ናይ ጋሽን ባርካን ፖሊስ ኣብ ምሉእ’ቲ ዞባ ተዘሪኦም ነበሩ።

ሜጀር ገብረኺዳን ነቲ ሓበሬታ ምስ ሰምዐ፡ ኣይተማትአን ተቐላጢፉ ነቶም ድሮ ኣብ ተጠንቀቕ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣኪቡ ተሪር ትእዛዝ ሃቦም።“ምሸት ጥሪት ኣብ ደምበአን፡ ሰብ ገዝኡ ምስ ኣተወ ፍርቂ ለይቲ ከይተረኣኹም ንባልቃይ ኣኽቢብኩማ ትሓድሩ፡ ወጋሕታ ኸኣ ተጥቅዑ” ኢሉ ናብቲ ስርሒት ብመኪና ኣፋነዎም።

እቲ ንኹሉ ብጽሞና ክከታተል ዝጸንሐ ኪዳነ፡ ኣብታ ግዜ’ቲ ዓርኩ ንምድሓን ጥራሕ ዘይኮነ ምእንቲ ዝመሓለሉ ዕላማ ክብል ተባዕ ስጉምቲ ክወስድ ወይ ድማ ሰሚዑ ከም ዘይሰምዐ ከስቅጥ ነይርዎ። በዚ ድማ፡ ንሓምድ ኸድሕኖ ወሰነ። ተቐላጢፉ ነቲ ዘንቀዶ ሓሳብ ክሕግዝ ዝኽእል ሰብ ክረክብ ተጓየየ። ንመሓመድ ሱሌማን እኩድ ረኺቡ “ሎሚ ሓምድ ክተሓዝ’ዩ እንታይ ንግበር” በሎ። ተዘራሪቦም ከኣ፡ ሓደ መደብ ሓንጸጹ። ቀዳማይ ብህጹጽ ናብ ሓምድ ዝለኣኽ ርጡብ ሰብ ክመዙ፡ ካልኣይ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ነቲ ኣብ መንጎ ተሰነይን ሃይኮታን ዝነበረ ስልክታት ተሌፎን ክቖርጹ። ድሕሪ’ዚ ብቕልጡፍ ናብ ሕለት – ሲዲ ብምኻድ፡ ንሓደ ውዱብ፡ ኮንትሮባንዳ ዝሰርሕ በዓል ገመል ብመገዲ ከታይ – ሐሳስ ኣቢሉ ባልቃይ ክኣቱ፡ ንሓምድ ድማ “ኣብ ባልቃይ ከም ዘለኻ ተፈሊጡ፡ ተኸቢብካ ኣለኻ ብህጹጽ ውጻእ” ክብሎ “መን ኢሉካ” እንተበሎ ድማ “ኪዳነ ህዳድ” ምዃኑ ክነግሮ፡ ሓቢሮም ኣፋነውዎ።

ኪዳነን መሓመድን፡ ነቲ ዝወጠንዎ ምብታኽ ስልኪ ዝሕግዞም ክልተ ቢንሳ (ጉጤት) ካብ ዱኳን ዓብዱ ጀባር ዝበሃል የመናዊ፡ ክልተ ብሽክሌታ ድማ ካብ ሓደ ተኽሉ ዝበሃል ቺኪልስታ ተኻረዩ። ካብ ሓደ እድሪስ ዝበሃል ሳርቶ ንፓሎ (ዓንዲ) ናይ ተሌፎን መሕኮሪ ዝኾኖም ጨርቀ መርቂ ኣመኻንዮም ብምውሳድ ድማ ተዳለዉ። ነቶም ወተሃደራት ዝወሰዶም ኣውቲስታ (ገብራይ) ነዊሕ ከይጸንሐ ተመልሰ።

ኪዳነ ተቐቢሉ፡ “ኣበይ ደኣ ኣብጺሕካዮም፧” በሎ

ገብራይ ከኣ ንዓርኩ ካብኡ ናብኡ ድማ ንስለያ ብሕማቕ ክጥርጥር ስለዘይክእል “ኣብ’ታ ዓባይ ቢንቶ ገዲፈዮም… ምድሪ ምስ ጸልመተ ንባልቃይ ከኽብቡዋ’ዮም። ካላስ ሓምድ ክትሓዝ’ዩ። ድሕሪ ደጊም ሰብ ከዕርፍ’ዩ…..ኣብታ ዘለዋ ቦታ ወተሃደራት ይመጽኡኒ’ዮም ኢሉ ስለዘይሓስብ ክተሓዝ’ዩ” በሎ። ገብራይ ግምቱ ጌጋ ኣይነበረን። ነቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ኩነታት ተዓዚብካ መለኮታዊ ዝኾነ ጣልቃ ክሳብ ዘየጋጠመ ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ምሓዙ ዘጸግም ኣይነበረን።

ድሕሪ’ዚ ኪዳነ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ መሓመድ ሱሌማን እኩድ ምስ ሓደ ካልኣዩ ነቲ ዝቐረብዎ ጉጤትን ጨርቀ መርቅን ሒዞም ጸሓይ ዓራርቦ ካብ ተሰነይ ብሽክለታኦም ተወጢሖም ንባልቃይ ንጸጋም ሓዲጎም ንወገን ጋሽ ኣላገሱ። ነቲ ዝተማልእዎ ኣጭርቕቲ ተጠቒሞም ኣብ ፓሎ ደይቦም ናይ ተሌፎን ስልኪ ክቖርጹ ጀመሩ። ከምቲ ዝሓሰብዎ ግን ቀሊል ስራሕ ኣይነበረን። ከባቢ ሰዓት 11፡00 ናይ ለይቲ ብዘይካ ንሓንቲ ምጥዓም ዝኣበየቶም፡ ንኹሉ’ቲ መስመራት ተሌፎን ጠረግረግ ኣቢሎም ናብ ተሰነይ ተመልሱ። ኪዳነ ምሉእ ምሸት ኣብ ውጡር መንፈስ ኮይኑ ክጽበዮም ኣምስዩ ተቐበሎም። ብዘይካ ሓንቲ መስመር ካልእ ከምዝበተኽዎ ድማ ሓበርዎ።

ካምቦ ፖሊስ ተሰነይ ካብ ሜጀር ገብረኺዳን ክሳብ ተራ ወተሃደር ካብ መዓስከሮም ኣይተንቀሳቐሱን። ኣ ቦታኦም ኮይኖም ኽመጽእ ዝኽእል ምዕባሌታት ኣብ ምክትታል ነበሩ። ኪዳነ’ውን ኣብ መንጎኦም ነበረ። ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ሜጀር ገብረኺዳን ኩነታት ንምፍላጥ ናብ መደበር ፖሊስ ሃይኮታ ደወለ። መልሲ የለን። ተረኛ ቸንትራለ ደጋጊሙ ፈቲኑ ምስ ቀበጸ ናብ ኣስመራ ደዊሉ ተራኸበ። ብዕድል እታ ምቑራጽ ዝሰኣንዋ ስልኪ እታ ናብ ኣስመራ ተራኽብ ኮነት። ጠንቂ ምቁራጽ መስመር ተሰነይ ሃይኮታ ንምፍላጥ ካብ ኣስመራ ንሃይኮታ ተደወለ። በዚ ድማ፡ እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ተሰነይን ሃይኮታን ከምዝኾነ ተረጋገጸ። ድሕሪ’ዚ ሜጀር ገብረኪዳን ብመስመር ኣስመራ ጌሩ ናብ መደበር ሃይኮታ ብምድዋል፡ ሸፋቱ ኣብ ከባቢ ፋንኮ መስመር ተሌፎን ቆሪጾም ስለዝኸዱ፡ እቶም ወተሃደራት ናይ ባልቃይ መደቦም ሰሪዞም፡ ኣብ ሃይኮታ ዝሓደረት ናይ ሃይወይ መኪና እንተላ ወይ ከኣ ብዝኾነት ዝረኸብዋ መኪና ብወገን ፋንኮ ጋሽ ሰጊሮም ክስዕብዎም ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ኣብቲ ሰዓት’ቲ ብዓል ገመል ድሮ ንሓምድ ነጊርዎስ ሓምድ ካብ ባልቃይ ወጺኡ ነበረ።

እቲ ንሓምድ ናይ ምቕታል ውጥን ብብልሓት ኪዳነ ህዳድን ብጾቱን ፈሸለ። ኪዳነን ብጾቱን ከኣ፡ ኣብ ድሮ ምጅማር ሰውራ ፍሉይ ቅያ ዝሰርሑ ጀጋኑ ተባሂሎም ብኽብሪ ክዝከሩ ይነብሩ ኣለዉ። ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ዛ ፍጻመ’ዚኣ እቲ ካብ መፈንጠራ ሞት ወይ ማእሰርቲ ዘምለጠ ሓምድ፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ እተበስር ጥይት ቶኮሰ። ኢትዮጵያን ሃሱሳታን ከኣ ነቲ ዝተጀመረ ቃልሲ ንምጭፍላቕ ለይትን መዓልትን ኣብ ስራሕ ተጸምዱ። ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ሃይለስላሴ ወልዱ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ኣብ መጽሓፉ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

“ካፒታኖ (ሜጀር) ዓብደልቃድር….ካብ ተሰነይ ከሰላ ኣትዩ ክወጽእ ጸገም ኣይነበሮን። ኣንጻር ቃልሲ ዝኣኽሎ’ዩ ገይሩ። ኣብ ከሰላ ምንቅስቓስ ተቓለስቲ ዝከታተላ ሰለይቲ ኣንስቲ ከይተረፈ ኣዋፊሩ፡ ነቶም ንቓልሲ ዝዳለዉ ዝነበሩ ምእታው ምውጻእ ከልኦም። ወዲ’ቲ ከባቢ ስለዝኾነ ባዕሉ ወፊሩ ይኣቱ፡ ይኾልል፡ ይስሊ። ንሱን ሰዓብቱን ብዓድን በረኻን መሬት እሾኽ ዘርኡላ።”

እቶም ተቓለስቲ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጻብኦ ብኸመይ ይምክትዎ ከም ዝነበሩ ድማ፡ ሃይለስላሴ ወልዱ ካብ መሓመድ ኣድም ገሲር ዝረኸቦ ምስክርነት ብኸምዚ የቕርቦ፦

“ንሕና’ውን ኣብቲ ግዜ’ቲ ተሰነይ ከም ድሌትና ክንኣቱን ክንወጽእን ስለዘይንኽእል፡ በዚ ሰላም’ዩ በቲ ግን ኣይግድን፡ ናብ ቦታ እገለ ኣይተላግሱ ዝብሉና፡ ከም በዓል ዓብዱራሕማን ሓሽም፡ ጃዕፈር ኣልሓጅ ኣልጠይብ፡ ኪዳነ ህዳድን ካልኦትን ንካፒታኖ ( ሜጀር ዓብደልቃድር ) መሳርሕቱ ነይሮምና።”

ድሕሪ ምጅማር ሰውራ፡ ኪዳነ ምስ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ምስጢራዊ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ስለዝተጠርጠረ ካብ ተሰነይ ንኣቑርደት ተጠረዘ። ኪዳነ “ኣነ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ስለያ ኮይነ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ” ኢሉ እኳ እንተጠርዐ፡ ሓለፍቱ ግን ሽጉጥ ሂቦም ከም ቀደሙ ክሰርሕ ስለዝኣዘዝዎ፡ ብሓደ ወገን ስለያ ናይ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ድማ ቀንዲ ወዳብን ኣቐባልን ምስጢር ኮይኑ ምስራሕ ቀጸለ። ምስ በዓል እስታዝ ማሕሙድ መሓመድ ሳልሕ፡ ኢብራሂም ጠምባርን ካልኦት ውዱባት ኣቑርደትን ብምዃን ከኣ ብዙሕ ስርሓት ዓመመ። እቲ ኣብ ኣቑርደት፡ ብ12 ሓምለ 1962፡ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ኣቢይ ኣበበን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከኣ፡ ንኪዳነ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ካብ እተፈጸመ ስርሒታት ሰውራ ሓደ እዩ። ኪዳነ ነቲ  መጥቃዕቲ ክዝከር እንከሎ፦

“ኢብራሂም ጠምባር፡ ፈዳኢን ኣብ ከተማ ኣቑርደት ቡምባ ደርብዮም ንሰበስልጣን ክቐትሉ ምምዳቦም ሓቢሩኒ። ኣነ ግን ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ቦምባ ምድርባይ ብፍጹም ክኸውን ከምዘይብሉ፡ እታ ቦምባ ኢትዮጵያዊ ካብ ኤርትራዊ ፈልያ ስለዘይትቐትል፡ ሰለማዊ ህዝቢ ግዳይ ከይከውን፡ ከምኡ ዓይነት ስርሒት እንተተመዲቡ ካብ ከተማ ወጻኢ ጥራሕ ይኹን ኢለዮም” ይብል እሞ፡ ቀጺሉ. . .”ኣነ ብረት ዓጢቐ ስለ ዝነበርኩ ካብ ማእከል ህዝቢ ቅሩብ ፍንትት ክብል ኣብ ጫፍ ደው ኢለ ነይረ። ሽዑ ኣቦ መንበር ባይቶ ኤርትራ ደጃዝማች ሓምድ ፈረጅ፡ ነቶም ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ዝተቐረበ ህያባት ሴፋትን ኣግማልን ከበርክት ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ ህሞት ቦምባ ተደርብያ። ካብ ሚኒስተር ፍትሒ ኤርትራ ዝነበረ ዑመር ሓሰኖ ጀሚርካ ኣዝዮም ብዙሓት ካብ ሰበ ስልጣንን ካብ ሰለማዊ ህዝብን ምዉታትን ውጉኣትን ኮይኖም።” ይብል።

እዛ ስርሒት’ዚኣ፡ በቶም ካብ ሜዳ ዝኣተዉ ፈዳኢን ተጋደልቲ ስዒድ ሑሴን፡ ግንድፍል፡ ዲጎልን ካልኦትን ዝተወደበትን ዝተፈጸመትን እያ። ኢትዮጵያ ግን፡ ንመሓመድ ሓሰን ሓሰኖን ንዓብደርሒም መሓመድ ሙሳን ዝበሃሉ ሲቪል ስሩዓት ጀብሃ ብጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ኣእተወቶም። እዞም ክልተ ዜጋታት ከኣ ብዘተገብረሎም ከቢድ መርመራ፡ ነቲ ዘይፈጸምዎ ጉዳይ ከምዝወዓልዎ ኣመኑ። ንሱ ከይኣክል፡ ሓደ ካብኣቶም፡ “ኪዳነ ህዳድ ምሳና’ዩ” ኢሉ ቃል ሃበ። ኮሎኔል እርዳቸው ናብ ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ተሌፎን ደዊሉ “ቀዳማይ ክሱስ ወተሃደር ኪዳነ ህዳድ ምሳና እዩ ይብል ኣሎ” ኢሉ ክዛረቦ ከሎ ኣጋጣሚ ኪዳነ ባዕሉ ብእዝኑ ሰምዖ።

ኪዳነ፡ በቲ ኩነታት እናተሻቐለ ከሎ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናይቲ ስርሒት፡ ሓደ ካብቶም ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ግንድፍል ክዳን ሲቪል ለቢሱ ናብ መደበር ፖሊስ ብምምጻእ ነቲ ዋርድያ ዝጸንሖ ንኪዳነ  ጸውዓለይ በሎ። ኪዳነ ሽዑ ዝተዘራረብዎ ክገልጽ ከሎ፦

“ንግንድፍል ‘ኣብዚ ኩሎም ወተሃደራት ተኣኪቦም ወጥሪ ሰፊንሉ ዘሎ ህሞት እንታይ ደሊኻ መጺእካ’ ምስ በልክዎ፡ ‘ዑመር እዛዝ ክርኽበካ ደልዩ ኣብ’ታ  ትራኸቡላ (ዓዲ ድርቂ) ይጽበየካ ኣሎ’ ኢሉኒ። ምሸት ንዑመር ምስ ረኸብኩዎ፡ መጀመርያ እቲ ዝተገብረ ስርሒት ዝያዳ ንሰለማዊ ህዝቢ ግዳይ ከምዝገበረ ካልኣይ ድማ ኣነ ስለዝተፈለጥኩ ክጋደል ከምዝወሰንኩ ገለጽኩሉ። ዑመር ግን ‘ኣነ ካብ ጎቦ ደብረሳላ ሓበሬታ መታን ክትህበኒ እናተሓባእኩ እዚ ኩሉ መንገዲ መጺአስ ከምዚ ክትብለኒ? መጀመርታ ስለምንታይ ዲኻ ኣቲኻ፧ ክትመወት እንዲኻ ኣቲኻ፡ ብክእለትካ ብመልሓስካ ጌርካ እንተወጻእካ ጽቡቕ፡ እንተተሓዝካ ከኣ ምእንቲ ሃገርካ ትመውት፡ ክሳብ ዝኣስሩኻ ግን ኣይትወጽእን ኢኻ ብምባል ከልኣኒ” ይብል።

ድሕሪ ሰሙን ናይቲ ፍጻመ፡ ‘ኪዳነ ናብ ኣከለጉዛይ ተቐይርካ’ ትብል ወረቐት መጽኣቶ። ‘ካብ ተሰነይ ትማሊ’ዶ ኣይኮንኩን ዝመጻእኩ’ እኳ እንተበለ ‘ትእዛዝ’ዩ’ ተባሂሉ ንዓዲቐይሕ ካብኡ  ድማ ንሰገነይቲ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ጥርጡራት ፖሊስ ተጠረዘ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ፡ ተኣሲሩ ካብ ሰገነይቲ ናብ ኣስመራ።

“ኣብ ሽቓቕ ኣቲኻ ከምዚ ሸንካ ጥራሕ ኣይበሉኒን እምበር ብዙሕ ጭብጥታት ኣቕሪቦምለይ። ካብቲ ብዙሕ ግን ክልተ ነጥብታት ነቲ ክሲ ውድቂ ጌረንኦ። ቀዳመይቲ እቲ ‘ኪዳነ ምሳና እዩ’ ዝበለ ክሱስ ‘ኪዳነ ሓዳር የብሉን፡ ኩሉ ህይወቱ ንጀብሃ ምስራሕ ጥራሕ’ዩ’ ኢሉ ነይሩ። ኣነ ግን ኣብ’ቲ ግዜ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተን እየ ነይረ። ኣነ ድማ መጀመርያ ሓዳር ከም ዘለኒ ጭብጢ ኣቕሪበ ነቲ ዝምርምረኒ ዝነበረ ኮሎኔል ‘ሕጂ ንስኻ መታን ክትሓስም፡ ኮሎኔል እርዳቸው ምሳና’ዩ እንተበልኩ መንግስቲ ክትኣስረካ’ያ ማለት ድዩ?’ ኢለዮ። ‘እዚ ሰብ እዚ ንዓይ ከሕስም ኢሉ እዩ እምበር ኣይፈልጠንን’ዩ’ ብምባል ከኣ ክሒደ። ካልእ ‘ካብ ሱዳን ብዕረፍቲ ዝመጹ ሰለስተ ኤርትራውያን ዓስከር ሱዳን ኣባላት ጀብሃ ምስኦም ሻሂ ሰቲኻ’ ተባሂለ። ኣነ ድማ ‘እወ ሰትየ፡ እዞም ሰባት ኣባይ ኢዶም ሕሉፍ’ዩ፡ ካብ ተሰነይ ብስራሕ መንግስቲ ንሱዳን (ገበን ፈጺሞም ንዝሃደሙ ክደልዩ) ክንልኣኽ ከለና መንግስትና ትህበና ገንዘብ እኹል ስለዘይነበረ ንሶም ዘዛውሩኒ ዝብልዑንን ዘስትዩኒን ነይሮም። ኣጋጣሚ ሰበይተይ ከረን ስለዝነበረት እምበር ገዛ ወሲደ’ውን መምሳሕኩዎም። ክትፈልጥ ከኣ ሻሂ ጥራሕ ኣይኮንኩን ኣስትየዮም፡ እቲ ሓሳዊ ናትኩም ኣይረኣየናን እምበር ናብታ ዝበለጸት ቤት መግቢ ሸባኒ ወሲደ’ውን ኣምሲሐዮምየ’ ኢለዮ። . . . በዘን ክልተ ነጥብታት ከኣ እቲ ክሲ ፈሺሉ። ሽዑ መዓልቲ ኩሎም ኮሎኔላት ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ከይተረፈ ‘ጀብሃ ሒዝና’ ኢሎም ተሓጒሶም ውጽኢት መርመራ ክጽበዩ ዝወዓሉ፡ ኮሎኔል እርዳቸው ‘ኩሉ ዝሰራሕናዮ ኪዳነ ፋሕ ኣቢልዎ’ ኢሉዎም። ዘይርሰዓኒ ነጻ ምስ ተባሃልኩ፡ ጸሓፊ ናይ ጀነራል ተድላ ዝነበረ ተስፋይ ዝበሃል ወዲ ‘ንስኻ እንተደኣ ነጻ ወጺእካ ኤርትራ ናጽነታ ክትወስድ’ያ ኢሉ ኣብ’ቲ ኦፊስ ሓቑፉ ስዒሙኒ። ኩሉ እቲ ኣነ ዝተኸሰስኩሉ ብእኡ ስለዝሓለፈ ይፈልጦ’ዩ። ኣነ ድማ ውዱብ ምዃኑ ስለዘይፈልጦ ግደፍ ከይትእስረኒ ሕጂ’ውን ኣነ ዝፈልጦ የብለይን ኢለዮ። እቶም ክልተ ክሱሳት ግን ዳሕራይ ብዘይገበርዎ ናብ ኣቑርደት ተወሲዶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓኒቖም።”

ኪዳነ ካብ ማእሰርቲ’ኳ እንተድሓነ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተቐየረ፡ ክሳብ ዓሰብ ተንከራተተ። ኣብ ዝኸዶ ከኣ ምስ ጀብሃ ምትሕብባርን ብፖሎቲካ ንዝተኣስሩ ምሕጋዝን ኣየቋረጸን። እቲ ጥርጣረ ኣብ ዝባኑ ስለዝነበረ ከኣ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ ከብቅዕ፡ ካብ መዓርግ ኮነ ዕቤት ርሱዕ ነበረ። ኣብ መጨረሽታ ግን ሜላ ምሂዙ። መኪና ተማሂሩ ኣውቲስታ ናይ ፖሊስ ኣምቡላንስ ኮነ።

ኣቦይ ኪዳነ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ስድራቤቱ ሒዙ ንሱዳን ተሰደ። ኣብ ሱዳን እውን ዝከኣሎ ዘበለ ንሰውራ የብርክት ነበረ። ካብቶም ምስኡ ተሪፎም ዝነበሩ ክልተ ደቁ ድማ፡ ኣሰር ዓበይቲ ኣሕዋቶም ስዒቦም ንሰውራ ተጸንበሩ። ኣቦይ ኪዳነ ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ “ንደቀይ ጀርመን ናቶም ሳሕል’ዩ” ይብል ምንባሩ ፈለጥቱ የዘንትዉ።

ኣብ 1991፡ እታ ምስ ውሑዳት ብጾቱ ኮይኑ፡ ኣብ ጸልማት ዝረኣያ ጩራ ናጽነት ድሕሪ ሰላሳ ዓመት መሊኣ በሪቓ። ድሕሪ ነጻነት፡ ንሱዳንን ኤርትራን እናተመላለሰ ህይወቱ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ፡ ብ1994 ነቲ ኣብ ግዜ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ ምስ መሓመድ ሱሌማን እኩድ ኮይኖም ዝሰርሕዎ ስርሒት ብሓባር ኮይኖም ጽሒፎም፡ ብድምጺ ሓፋሽ ከቃልሕዎ ብምሕሳብ ኩሉ እቲ ፖሊስ ከሎ መዓልታዊ ዝስንዶ ዝነበረ ዶኩመንትታ ሒዙ ንሱዳን ከደ። እንተኾነ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ተበላሽዩ ሻዕብያ ኢኹም ተባሂሎም ንእሽቶ ወዱ ንኪዳነ ክእሰር ከሎ፡ ኩሉ ዶኩመንታት ኣቦይ ኪዳነ ከኣ ብጸጥታ ሱዳን ተቓጸለ። እዛ ፍጻመ’ዚኣ ነቦይ ኪዳነ ኣብ ህይወት ዘመኑ ኣዝየን ካብ ዘግጉሃይኦ ፍጻሜታት ሓንቲ ነበረት።

ኣቦይ ኪዳነ ህዳድ ደቂ ህልዋትን ስውኣትን ደቁ ርእዩ ዝሓለፈ 27 ጥሪ 2021 ኣብ መበል 93 ዓመቱ ዓሪፉ። ኣብ ከረን መጋርሕ ድማ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣቦይ ኪዳነ ወረጃን ለባምን፡ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ከኣ ኣላዩ ሽማግለ’ዩ ነይሩ። ብፍሉይ ካብ ዝልለየሉ ባህርያት ድማ ትብዓትን ሓቅነትን እዩ። ብዛዕባ ትብዓቱ፡ እቲ ኣብ ግዜ ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ድሕሪኡን ዝነበረ ታሪኹ ስለዝገልጾ፡ ብዛዕባ ሓቅነቱ ክልተ ነጥብታት ክንጠቅስ።

ኣብ 2013 ተመራማሪ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ ‘ገለ ሰባት ኪዳነ ወረቐት ጽሒፉ ይህበና’ሞ ንሕና ድማ ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ናብ’ታ ኣቐዲምና ምስኡ ዝተሰማማዕናላ ቦታ ነቐምጠሉ ኔርና ዝብሉ ኣለዉ’ ኢሉ ምስ  ተወከሶ ‘ኣብ ኤርትራ ዘይተቓለስ የለን። እዚ ግን ኣበርኪትና ወይ ተቓሊስና ንምባል እዩ እምበር ኣነ ንሓምድ ብዘይካ ብመንገዲ መሓመድ ሱሌማን እኩድ (ክሳብ ሎሚ 2021 ብህይወት ዘሎ) ብኻልእ ብዝኾነ ሰብ ጌረ ሰዲደሉ ኣይፈልጥን’ ብምባል መልሲ ሃበ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ከም በዓል መሓመድ ዑመር ዓብደላ (ኣቡ ጥያራ) ከይተረፉ ኣብቲ ምስ ጀርመናዊ ተመራማሪ ጉንተር ሹሮደር ዝገበርዎ ቃለ መጠየቓት “ኪዳነ ህዳድ ዝበሃል ፖሊስ ዓርኩ ንሓምድ፡ ክኣስሩኻ ይደልዩ ስለዘለዉ ንበረኻ ውጻእ ኢሉዎ” ኢሎም የዘንትዉ እዮም። ኪዳነ ግን ከምኡ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ሓበሬታ መኣረምታ ሂቡሉ እዩ። ኪዳነ፡ ዋላ ኩሉ ሰብ ጌርካዮ እንተበሎ ብዘይወዓሎ ዝንየት ሰብ ኣይነበረን። “ኣነ ዝተፈልጠ ምስጢር የለን፡ ናብራኻ ኣይትበትን፡ ህድእ በል ኢለዮ እምበር ወጻእ ኣይበልኩዎን። ኣነ ንባዕለይ ሓምድ በረኻ ከምዝወጸ ኣብ በረኻ ከለኹ’የ ፈሊጠ” ብምባል ናይ ቅድም ፍልጠትና ኮነ ናይ ታሪኽ ጽሑፋትና ክንእርም ምዒዱ። ኣቦይ ኪዳነ ብዘይካ’ቲ ንሱ ዝተቓለሶን ደቁ ኣብ ቃልሲ ተሳቲፎም በጃ ንክኾኑ ዝተጻወቶ ተራ፡ በቲ ምስ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝነበሮ ጥቡቕ ዕርክነት ኣብ ታሪኽ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ክፍተት ብምምላእ ዓቢ ውዕለት ጌሩ እዩ። ዛንታ ኣቦታት ሰውራ ዝኾኑ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ይኹን ኪዳነ ከኣ ወትሩ ክዝከር ክነብር’ዩ። ብሰላም ዕረፍ፡ ዓሚ ኪዳነ ህዳድ!!!

 

መወከሲ

  1. መጽሓፍ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962 ብሃይለስላሴ ወልዱ 2. ቃለ መጠይቕ ኪዳነ ህዳድ 2006 (ከረን) ብጋዜጠኛ ኢሳቕ መሓሪ 3. ቃለ መጠይቕ ኪዳነ ህዳድ 2013 (ከረን) ብኣለምሰገድ ተስፋይ 4. ቃለ መጠይቕ ኪዳነ ህዳድ 2018 ( ከረን) ብነጸረኣብ ኣዛዚ 5. ቃለ መጠይቕ መሓመድ ሱሌማን እኩድ 2018 (ግርባ- ሱዳን) ብነጸረኣብ ኣዛዚ

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More