ሎሚ 11 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 11 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 8 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 3 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 2 ኣብ ባጽዕ፡ ሓደ ድማ ኣብ ናቕፋ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2429 በጺሑ’ሎ። 1828 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 594 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
11 ለካቲት 2021