ሎሚ 17 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 61 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 54 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 6 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 53 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 4 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 59 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2627 በጺሑ’ሎ። 1973 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 647 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
17 ለካቲት 2021