ሎሚ 18 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 48 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 39 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 17 ኣብ ኣዲባራ፡ 6 ኣብ ኣቑርደት፡ 5 ኣብ ባረንቱ፡ 4 ኣብ ዓሊ-ግድር፡ 4 ኣብ ኦምሓጀር፡ 2 ኣብ ጎልጅ፡ ሓደ ድማ ኣብ ተሰነይ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 3 ካብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 5 ካብ መወሸቢ ማእከላት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – 3 ካብ ጊንዳዕ፡ 2 ከኣ ካብ ናቕፋ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 38 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 33 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 6 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 77 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2675 በጺሑ’ሎ። 2050 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 618 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
18 ለካቲት 2021