ሎሚ 19 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 10 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 6 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 4 ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 2 ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ኣብ ባረንቱ፡ ሓደ ከኣ ኣብ ተሰነይ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2685 በጺሑ’ሎ። 2050 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 628 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
19 ለካቲት 2021