Business is booming.

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋልን

ሙሉእ ቅዳሕ (Full Transcript)

  • ኣብ መንጎ ኤርትራን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ብዝያዳ ድማ ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ዝምድና፡ ምስቲ ክትገልጾ ዝጸናሕካ ጎዶቦኣዊ ናይ ጽቡቕ ጉርብትና ፖሊሲ ተኣሳሲሩ ክርአ ዝከኣል እዩ። ኣብ ርእሲ’ቲ ሰፊሕን ቀጻሊን ርክባት ምስ ዝምልከተን ሃገራት፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኤርትራ ዑደት ገይሩ ነይሩ። ምስ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ናይ ወፍርን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ዝምድና ኣሎዶ? ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝምዕብል ዘሎ ዝምድናታትን ገስጋሱን’ከ እንታይ ይመስል።

ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር፡ ሓደ ብሓደ ክንዛረበሉ ንኽእል ኢና። ብናትና ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ገምጋማት ስዑዲ ኣብ’ዚ ጎደቦ’ዚ ዓቢ ቦታ ኣለዋ። እቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ጉዳይ ውደና፡ ንነፍሲ-ወከፍ ሃገር ናቱ ሚዛን ስለዝህብ፡ ናይ ስዑዲ ሚዛን ቀሊል ኣይኰነን። ብኹሉ መለክዒታት። ኣብ ልምዓት፡ ወፍርን ንግድን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብርግኣት’ውን እንተጠሚትናዮ ናይ ስዑዲ ቦታ ቀሊል ኣይኮነን። ስዑዲ ዘለዋ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዞባዊ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነት ዓለማዊ ተዋሳኢት እያ። ስለዚ ስዑዲ ግቡእ ቦታኣ ምስ እትሕዝ ንርግኣት ናይዚ ጎዶቦ ወሳኒ እዩ። ሒዛ ኣላ ድያ የላን? ኣብ ኣከራኻሪ ኣርእስቲ ኣይንኣቱን። ንዓና ንጹር ብምዃኑ። ብሕብእብእ እንዛረበሉ ወይ እንሰግሮ እውን ዘይኮነ – ብዙሕ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እዚ ተራ’ዚ ኣይጸንሐን። መንፍዓትን ስንፍናን ናይ’ቲ ንግስነት ኣይኰነን፡ እቲ ሕቶ።

ስለዚ፡ ስዑዲ ግቡእ ቦታኣ ሒዛ፡ ተራኣ ክነጣጠፍን እወታዊ ሳዕቤናቱ ኣብ’ቲ ጎደቦ ክሕይልን ንደሊ። ኣብዘን ውሑዳት ዓመታት ዝተቐልቀለ ኣካይዳ ተስፋ ዝህብ’ዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣካይዳ፡ ንቦታኣ ኣደልዲሉ፡ ኣብ’ዚ ዞባ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ስለዝኽእል፡ ናይ ሓባር መረዳእታን ገምጋማትን ንምምዕባል ቀጻሊ ርክባት ክንገብር ጸኒሕና። ናይ ብሓቂ ከኣ ጽቡቕ ሃዋሁ እናተፈጥረ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ወፍርን ንግዲን ዝተፈላለዩ ቁጠባዊን ልምዓታዊን ምትሕግጋዝ፡ እንታይ መኽሰብ ይርከብ ኣይኮነን እቲ ሕቶ። እዚ ስዒቡ ዝመጽእ’ዩ። ቅድም ቀዳድም፡ መረዳእታና ኣብ ሓደ ባይታ ክመጽእ ወይ ክቀራረብ ኣለዎ። ንዓና ኣብ’ዚ እዋን ዘገድሰና ሓባራዊ መረዳእጣ ምፍጣር እዩ። ንግዝያዊ መኽሰብ ንግዝያዊ ረብሓታት ዘይኰነ፡ ንዘላቒ ርግኣት’ዚ ዞባ – ኣብ ክልተኣውን ኣብ ብዝሓውን ዝምድናታት፡ እቲ ተራ ክዓቢ ክኽእል ኣለዎ።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት፡ ምስ ኩሉ ናይ ደገን ውሽጥን ዕንቅፋታት፡ ሓባራዊ መረዳእታ ኣብ ምፍጣር ብዙሕ ሰጒምና ኣለና ክንብል ንኽእል። ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ ዝመጽእ ልኡኽ እውን ኣሎ። እቲ መረዳእታ እናተቐራረበ ይኸይድ ምስ ምህላዉ፡ ከመይ ጌርና ዝያዳ ነማዕብሎ መካኒዝም ወይ ብልሓት ክህሉ ስለዘለዎ፡ ብሓደ ህሞት’ውን ክፍጠር ስለዘይክእል፡ ቀስ ብቐስ በብመድረኻት፡ ነቲ መካኒዝም እናሓየልካ፡ ኣብ ንጹራት መደባት ዝቐንዐ ምትሕብባር ከምዝህሉ ምግባር እዩ። እቲ ዝያዳ ዘገድሰና ንሓዋሩ ክምዕብል ዘለዎ ዝምድና ስለዝዀነ፡ እዚ ሕጂ እንኸዶ ዘለና መገዲ ናብኡ ዘምርሕ እዩ። ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ብዝርዝር ከም’ዚን ከም’ትን ኢልካ ክዝርበሉ ይከኣል። ኣብኡ ክልተኣዊ ዝምድና ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ማለት እኩብ ድሕነት ናይ ኩለን ሃገራት ኣገዳሲ ስለዝዀነ፡ ስዑድያ ክትጻወቶ እትኽእል ተራ ቀሊል ኣይኰነን። ከም’ዚ ክንብል ከለና ግን፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብዝርዝር ክንርእዮ ኣለና።

ኣብ ስዑድያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ፡ ዘቕረብናዮ ወረቐት ነዚ ዝገልጾ ዘለኹ ፖሊሲታት ዘነጸረ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ፡ እቲ ተኣፋፊ ከባቢታት ማለት ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብ ኤልመንደብ፡ ወሽመጥ ዓደንን ገማግም ሶማልን ድማ ብፍላይ ከም ሓደ ጎዶቦ ክንዛረበሉ እንተዀይንና፡ ቅድም ቀዳድም እተን ኣብኡ ዘለዋ ሃገራት ብቕዓተንን ዓቕመንን ክሕይል ኣለዎ። ኤርትራ ናይ ጅቡቲ ወይ ናይ ሶማል መተካእታ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ፡፡ የመን ናይ ኤርትራን ጅቡቲን መተካእታ ክትከውን ኣይትኽእልን። ኩለን ሃገራት ናተን ውሽጣዊ ርግኣት ተረጋጊጹ፡ ዓቕምታተን ደልዲሉ፡ እጃመን ከበርታ ዘይክእላ እንተዀይነን፡ ብመተካእታ ክግበር ዝከኣል ነገር የለን። ከምዚ እንርእዮ ዘለና ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኣራግጽ፡ እዚ’ዩ ኢልካ ክግለጽ ኣይክእልን። ኣብኡ ዘሎ፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣብኡ ዘሎ ናይ ዞባውያንን ዓለማውያንን ጎብለላት ጸወታ፡ ምስ’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፡ ዓንኬል ጽልዋ (spheres of influence) ናይ ምስፋሕ ስትራተጂ፡ ነዚ ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር መራኽብ ዝኾነ ማሕንቖ’ዚ ንምቁጽጻር ዝግበር ጸወታ መወዳእታ የብሉን። ነዚ ኩነታት’ዚ ክእለ እንተኾይኑ፡ እዚ ጐደቦ’ዚ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓቕሚ ክፈጥር፡ ነፍሲ-ወከፍ ሃገርን ህዝብን እጃሙ ከበርክት ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ውሽጣዊ ኩነታቱ ክመዓራረ ክኽእል ኣለዎ። ሶማል፡ ውሽጣዊ ኩነታታ ከየመዓራረየት፡ በዚ ዘላቶ ኩነታት ን3300 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕራ ብግቡእ ክትቈጻጸር፡ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ፡ ቅርሰና፡ ዘይሕጋዊ ንግዲን ካልኦት ስግኣታትን ኣበርክቶ ክህልዋ ኣይክእልን እዩ። ጅቡቲ፡ የመን፡ ኤርትራን ስዑዲን እውን ልክዕ ከምኡ።

ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ ናይ ብሓቂ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ምትሕግጋዝ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ፡ ቁጠባዊ ጎድንታቱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጸጥታዊ ኩነታቱ ዝያዳ ኣገዳሲ’ዩ። ነቲ ስግኣት ዝኸውን ዘሎ ጠንቅታት ከይኣለኻ፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ወፍሪን ንግዲን ሰጊርካ ምዝራብ ስለዘይከኣል፡ ክልቲኡ ተጠሚሩ ክስርሓሉ ዘለዎ እዩ። ስለዚ እቲ ሃዋህው ምስ’ቲ እንደልዮ ንምጥዕዓም፡ ዝርዝራቶም ንጸግዒ ገዲፍካ፡ ዳርጋ ብቐጻሊ እንዛረበሉ ዘለና ጉዳይ እዩ። ኣብ ካልእ ናይ ጎዶቦና ጉዳያት’ውን ብተመሳሳሊ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓጺር እዋን ጽቡቕ ሰጐምና ኣለና። ብድሆታት የብሉን ማለት ኣይኰነን። ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ ኣካይዳ ክዕንቅፉ ዝደልዩ ጸለውቲ ኣለዉ። ንዓኣቶም ረሲዕና ኩሉ ነገር ጽቡቕ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ነቲ ሽግር ብልክዕ እንተተረዲእናዮ ግን፡ ናብ ኣዝዩ ዝተጠዓዓመ ናይ ምትሕብባር ሃዋህው ክንከይድ ዝኽልክለና ነገር የለን። ናይ የመን እንተሪእና፡ ዝተፈላለዩ ናይ ዞባን ዓለምን ጎብለላት ዘለዎም ተራ ፍሉጥ እዩ። ግን ከሰንብደና የብሉን። ብግቡእ ከነንብቦን ክንፈልጦን ጥራይ እዩ ዘለና። ንዕኡ ተረዲእና፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕንቅፋታት ስለዘለዉ ሓቢርና ክንገጥሞም ኣለና እናበልና ንኸይድ ኣለና። ምናልባት ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመትን ድሕሪኡን እንታይ ክግበር ይከኣል ንመጻኢ ዝርአ ይኸውን። ዋና ነገር ግን፡ ነቲ ባይታ ናይ ምጥዕዓም ስራሕ እዩ። ኣብኡ ድማ ጽቡቕ ንስጉም ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።

  • ክቡር ፕረዚደንት ናብ ዘቤታዊ ኩነታት ክንሰግር። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገርና መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ ንምክልኻሉ ተሪር ስጉምትታት ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ። ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ውጽኢት ብኹሉ መዐቀኒታት ዕዉት’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ካልኣይ ዑደት’ቲ ለበዳ ዝጀመረ ይመስል ኣሎ። ኣተሓሕዛና ከመይ ክኸውን የድሊ? ብሓፈሻ ናይ ምክልኻል ዓቕምና ንምሕያል፡ ማእከላትን ቴክኖሎጂን ጥዕናዊ ምርምር ንምስፋሕ ከምኡ’ውን ብቕዓት ትካላት ጥዕና ክብ ንምባል፡ እንታይ ዝተታሕዘ መደባት ኣሎ?

= ቅድሚ ሕጂ ተጠቒሱ ነይሩ እዩ። እቲ ሓፈሻዊ መርሓ ደጊምካ ምግላጹ ግን ኣገዳሲ እዩ። ለበዳ ኮቪድ፡ ናይ ተጠንቀቕ ጻውዒት’ዩ። ዕለት ብዕለት ዘዝመጽኡ ጸገማት ንምምካት፡ እንታይ ክንገብር ንኽእልን ኣይንኽእልን ዘይኰነ’ቲ ሕቶ፡ ንኮቪድ ይኹን ካልኦት ክመጽኡ ዝኽእሉ  ለበዳታት ናይ ምቁጽጻር ብቕዓትና ክብ ዘብል ዘላቒ መደባት ክህልወና ኣለዎ። ልዕሊ ዝዀነ ካልእ መደባት ዝስራዕ ድማ እዩ። ቁጠባዊ ዓቕምና ከነማዕብል፡ እዚን እዚን ክንገብር ኢልና ንዛረብ እንተለና፡ ኣብ ህዝብና ዝምርኰሰ መደባት እዩ። ዓቕሚ የብሉን ዕድል የብሉን። ልምዓታዊ ይኹን ካልኦት ምስ ድሕነት ልኡላውነትና ዝተኣሳሰሩ መደባት ኣብ ህዝቢ ዝተመርኰሱ እዮም። ህዝቢ ክሕይል ኣለዎ። ህዝቢ ክሕይል እንተዀይኑ ከኣ፡ ሓደ ካብ’ቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ናይ ጥዕና ኣገልግሎት እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ናጻ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ዝተፈላለዩ መሰጥቲ ፖሊሲታት ሓንጺጽና ክንከይድ ጸኒሕና። መሳጢ ፖሊሲ ምሕንጻጽን ግብራዊ ዓቕሚ ምጥራይን ማለት ግን ብግቡእ ክንግንዘቦ ኣለና።

እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኮቪድ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መቓን ናይ ኣተሓሳስባ ክንርእዮ ኣለና። ህሉው ዓቕምና ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና  እንታይ ይመስል? ናይ ጥዕና ማእከላት፡ ክሊኒካት፡ መወከሲ ሆስፒታላትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ምርምር ትካላትናን ኣብ ምንታይ ኩነት ኣለዉ? ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጸጋ ሰብና ኣብዚ ዓውዲ’ዚ። ከየጋነንና ዓቕምና ዜሮ እዩ ኢልና ንጀምር። ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዓሰብ ክሳብ ቃሮራ፡ ካብ ሓረናይት ክሳብ ኦምሓጀር ክሳብ ተሰነይ ክሳብ’ቲ ኣብ ጫፍ ዘሎ ከባቢታት፡ ዝርጋሐ ናይ ጥዕና ትካላትና እንታይ ይመስል? ክንርኢ ኣለና። ናይ ህንጻታት ጉዳይ ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ክሊኒክ፡ ኣብ’ዚ ናይ ጥዕና ማእከል፡ ኣብ’ዚ መወከሲ ሆስፒታል ኣሎ ዘይኰነ፡ እንታይ ትሕዝቶ’ኸ ኣለዎ? ቀዳማይ፡ ብጸጋ ሰብ፡ እቲ ዓቕምታት እንታይ ይመስል – ብጽፍሒታት ወይ ደረጃ ኣገልግሎት’ከ? ንኸምዚ ዓይነት ሃንደበታዊ ለበዳታት ናይ ምምካት ብቕዓትናን ዓቕምናን እንታይ ይመስል? መሳለጥያ’ኸ ዝኣክል ኣሎና ድዩ? ዘለና ቴክኖሎጂ፡ ፍልጠት፡ ናይ ምርምር ዓቕሚን ላባራቶሪታትናን እንታይ ይመስ፡? እዚኦም ብግቡእ ክግምገሙ ዘለዎም እዮም። ምኽንያቱ እዚ ከየዋደድና፡ ኮቪድ-19 ወይ ካልእ ስለዝመጸ፡ ከም’ዚ ጌርና ንመክቶ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን።

ኮቪድ 19 ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት እዩ። ስለ’ዚ፡ ዘላቒ መፍትሒ ከነዋድድ፡ ንዓኡ ዝኸውን ዓቕሚ ክንሃንጽ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ከይበልና ካብ ሕጂ ክንጅምሮ ክንክእል ኣለና። ንእዋኑ መመርመሪ ማእከላት ኣበይ ትገብር፡ ከመይ ጌርካ ኣሃዛት ትእክብ፡ ከመይ ጌርካ ትከታተል፡ ኪኖ መወሸቢ እንታይ ትገብር፡ ክታበት ካበይ ተምጽእ ኣይኰነን’ቲ ሕቶ።  ንነዊሕ ዝዓለመ ዘላቒ መደባት ክንሓስብ ኣለና። ምስ መን ክንተሓጋገዝ ንኽእል? መን ብዘይጸግዒ ክተሓጋገዘና ይኽእል፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ተኽእሎታት ክንርኢ ኣለና። ዓቕምና ንምዕባይ እንታይ ንግበር መርሓ ጎደና ክህልወና፡ ብግዜ ክግለጽ ዝኽእል ናይ ትግባረ ውጥናት ከነውጽእ ኣለና። ስለ’ዚ ገምጋም ተገይሩ፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ካብቲ ኣገልግሎታት ዘይርከበሉ፡ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ መጓዓዝያ ናይ ትምህርቲ መሳለጢያታት ዘይብሉ ከባቢታት ጀሚርካ፡ ክሳብ’ቲ ዝተደኰነ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ዘሎ ዝርጋሕ እንታይ ይመስል ርኢና፡ ብኸመይ ነማዕብሎ፡ ዓበይቲ ላባራቶሪታትን ናይ ምርምር ማእከላትን ብኸመይ ንምስርት ክንውጥን ኣለና። እዚ ምስ ገበርና መሳለጥያታት ክንምልእ ንኽእል። ልዕሊ ኩሉ ናይ ሰብ ሞያ ዓቕምና ዓመታዊ ከመይ ጌርና ነዕብዮ ኣገዳሲ እዩ።፡ ነዚ ኹሉ ቁጠባዊ ጸጋታትና ኣብ ግምት እናእተና ኢና ንሓስቦ። መመወሊ ክኸውን ዝኽእል ዓቕምታት ክንድልብ ኣለና። ካብ ደገ ኢድካ እናዘርጋሕካ “ሃቡና” ምባል ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰፊሕን ዘላቒን ናይ ምትሕግጋዝ መደባት እንብሎ ኣእቲና ክንርእዮ ኣለና። ስለዚ ንኮቪድ ጥራይ በይኑ ነጺልና ክንሪኦ ኣይግባእን።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ክንገብራ እንኽእል መሰረታዊት ነገር፡ ዓቕሚ’ውን ስለዘይብልና ምክልኻል ጥራይ’ዩ። ማስክ ግበር፣ ጽርየት ተኸታተል፣ ካብ ዘየድሊ ፈንጣሕጣሕ ተኣለ። ነዚ እናገበርካ ዘድልየካ ምድላዋት እናገበርካ ትኸይድ። ነዚ ኩሉ መደባት ዘዐወት ድማ ብቐንዱ ንቕሓት ህዝቢ’ዩ። ናይ ሞያውያንን ዝፈልጡን ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንቕሓት ህዝቢ’ውን መሰረታዊ ብምዃኑ፡ ቀጻሊ ኣስተምህሮታት፡ መግለጺታትን ሓበሬታን ምስናቕ የድሊ። ብዜና ዝግበር ዘሎን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝካየዱ ዘለዉ ጐስጓሳት ቁም-ነገሮም ብግብሪ ንርእዮ ኣለና። ምናልባት ኣብ ገለ ዝልቕ ዝበለ ኣተሓሕዛ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። እቲ ንቕሓት እጢ ዝዂስኰስ ባህሊ ንገዛእ ርእሱ ጸጋ እዩ። ብቐጻሊ ከነሐይሎ ኣገዳሲ እዩ።

ማዕረ ማዕረ’ዚ፡ ምስ ግዜ እናኣማዕበልናዮ ንኸይድ ፕሮግራማት ሒዝና ኣለና። ምስናይ ኩሉ ብድሆታት፡ ኣካይዳና ኣብ’ቲ ቅኑዕ መስመር ስለዘሎ፡ ዝጐደለና ብግዜ እናማላእና ክንከይድ ኢና። እቲ ሓፈሻዊ መደብ ናብ’ዚ ዝቐንዐ እዩ ዘሎ። ኣብ ምክልኻል ለበዳታት ካልኦት ዝተፈላለዩ ጸለውቲ ረቛሒታት ኣለዉ። ኣብ ሱዳን፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ኩነታት’ውን ይጸልወና ስለዝዀነ፡ ንበይንና ክንሓስብ፡ በይንና ኣብ ዕርዲ ተሓጺርና ኮፍ ክንብል ኣይንኽእልን። እንታይ ሓባራዊ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ነውጽእ፡ ሓደ ካብ’ቲ ዝስርሓሉ ዘሎ እዩ።

ዓቕምና ዜሮ’ዩ ዘሎ። ግን ሰፊሕን መደባት ሓንጺጽና ንኸይድ ስለዘለና፡ በብቑሩብ ዓቕሚ እናጠራቐምና፡ ነቲ ዘላቒ ፍታሕ ዝበሃል ንዳለወሉ ምህላውና ጥራይ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ከይድካ ከይድካ ግን፡ እቲ ወሳኒ ጸጋ ሰብን ንቕሓት ህዝብን ስለዝኾነ፡ ላቦራቶሪታት ይሃልዉ ኣይሃልዉ፡ ናይ ምርምር ማእከላት፡ ክሊኒካት፡ ሆስፒታላት ይሃልዉ ኣይሃልዉ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝያዳ ከነሐይሎ ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ።

  • እዚ ለበዳ’ዚ ብደረጃ ዓለም ዘስዓቦ ቁጠባዊ ስምብራት ንኹሉ ብሩህ’ዩ። ኣብ ሃገርና’ውን ሂወት ንምድሓን ተባሂሉ ብዝተወስደ ንግዳዊ ንጥፈታት ናይ ምድስካል ኩነታት፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ፈጢሩዎ ዝርከብ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኮነን፡ ነዚ ዘሎ ጸገማት ንምቅላል እንታይ ይሕሰብ?

= ኣነ እቲ ጸገም ካልእ’የ ዝብሎ። ብምኽንያት ኮቪድ ዝተሃስየ ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣሎ ክንብል፡ ነጋንን ኢና ዘለና። ብመሰረቱ ብዛዕባ ልምዓት ዘሎ ናይ ኣመለኻኽታ ጸገም እዩ።። እዚ ቁጠባና፡ ቁጠባ’ዩ ኢሉ ዝዛረብ ሰብ እንተሎ፡ እንታይ ዓይነት ቁጠባ? ናይ ዕንጋሎ (subsistence) ቁጠባ እዩ። ካብ ኢድ ናብ ኣፍ እትነብረሉ ቁጠባ። ኣብቲ ምምስራሕ፡ ምውሳኽ ክብሪ (value adding) ዝበሃል ናይ ብሓቂ ናብ ዓበይቲ ፍርያታት ዘምርሕ ቁጠባ ኣይኣተናን ዘለና። ቁጠባ ኣለና ክንብል፡ ዓበይቲ ፋብሪካታት፡ መመስርሒ ትካላት፡ ብዝማዕበለ ቴክኖሎጂ ዘፍሪ ሕርሻታት ክህልወና ኣለዎ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኢንዱስትሪ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን። ዘለና ናይ ማይ፡ ጸዓት፡ ካልእ ዝተፈላለየ ትሕተ ቅርጺ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ቁጠባ ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ እዩ። ካብኡ ከውጽኣና ኣብ ዝኽእል መደባት፡ ቀልጢፍና ደንጒና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ንኸውን። ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝተዓጽወ ትካላት ኣሎ፡ ክሰርሕ ዘይከኣለ ትካላት ኣሎ ዝበሃል ግን፡ እንታይ ዓይነት ትካላት’ዩ?

እቲ ዝዓበየ ዕላማና ካብዚ ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ ምውጻእ ክኸውን ስለዘለዎ፡ ሓደ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ ኣሎ። ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝተማእከለን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት’ውን ዝሳተፍዎን። ቅድሚ 2020ን ዝነበረ ኩነታት ኣጽኒዑ፡ ካብ 2021 ጀሚርና ክንገብሮ ዘለና ዝውስን። ኣብዚ ሃገር ዝጸንሐ ቁጠባዊ ንጥፈት ብልክዕ እንታይ’ዩ ዝመስል? እቲ ንግዳዊ፡ ወፍራዊ ንጥፈት ጽላት ብጽላት፡ ኢንዱስትሪ ብኢንዱስትሪ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ? ናይ’ቲ ከውፍር’የ፡ ከልምዕ’የ ዝብል ኮነ ናይ’ቲ ህዝቢ ናይ ምፍራይ ዓቕምን ዕድላትን ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ? ዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ከነምጽእ ናበይ ገጽና ንድርኾ? ከነጽረልና ምእንቲ ን2021 ዝወጽአ ሓፈሻዊ መርሓ ጎደና ኣሎ። ጽላት ብጽላት፡ ኢንዱስትሪ ብኢንዱስትሪ ፕሮጀክት ብፕሮጀክት፡ ዋኒን ብዋኒን – እዚኦም’ዮም ከርብሑና ዝኽእሉ፡ ካብ’ዚ ዘለናዮ ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ ናብ ዝሓሸ ቁጠባዊ መድረኽ ከደይቡና ዝኽእሉ ተባሂሉ ዝወጸ መደባት ኣሎ። ሓቂ እዩ፡ ኮቪድ-19 ፈጺሙ ኣይጸለወናን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ግን ብዓቢኡ እቲ ጸገም ናብ ኮቪድ-19 ነጸግዖ ኣይኮነን። ኮቪድ ከም ውሁብ ወይ ግዝያዊ ብድሆ ዝውሰድ እዩ። ብዓቢኡ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ክንክተሎ ዘለና መርሓ ከም ብሓድሽ ከሊስና ክንብገስ ኣለና።

ቀሊል ኣብነት፡ ምስ ቱሪዝም ዝተኣሳሰረ ፕሮጀክትታት ክንርኢ ንኽእል። ክንደይ ሆቴላት፡ ክንደይ ናይ ቱሪዝም ወፍሪ ኣሎ? ናይ ብሓቂ ምስቲ ቁጠባ ተገጣጢሙ ዝኸይድ ድዩ? እንተድኣ ኢልና የለን። ስለዚ ናብ’ቲ ክሰርሕ ዝኽእል ዓውድታት ገጹ ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ መለክዒ ኣፍራይነትን ፍርያትን እዩ። ነዚ ከመይ ጌርካ ተሐይሎ፡ ብኸመይ መገዲ ክሰርሕ ይኽእል ሓደ ብሓደ ተጸኒዑ ንዕኡ መርሓ ጎደና ይወጽእ እሞ፡ ሓበሬታ’ውን ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ኣይፋልካን እዚ ዓውዲ’ዚ ኣየርብሕን’ዩ፡ ናብዚ እንተቕንዓካ ይሓይሽ ክትብል ትኽእል። ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸገማት፡ ምስ ናይ ኣገልግሎታት ሕጽረት ተኣሳሲሩ፡ ካብ ገጠር ንኸተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ዘሎ ናይ ምስጋም ተርእዮታት እዩ። ኣብ’ዚ ሕጂ እንታይ ትገብር? እቲ ሕርሻ ገና ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ናይ ዕንጋሎ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ሕርሻ እዩ። ካብኡ ሃዲምካ ኣብ ሓውሲ ከተማን ከተማን ተጸጊዕካ’ኸ እንታይ ትገብር? እንታይ ትሰርሕ? እዚ ኣርእስቲ’ዚ ብቐሊሉ ጎሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ዕቱብ ኣተሓሕዛ ዘድልዮ እዩ። ምስ ናይ ሓዋሩ ዘላቒ ናይ ልምዓት መደባትና ተኣሳሲሩ ክኸይድ ስለዘለዎ፡ ናይ ፍሉያት ክኢላታት ወይ ሊቃውንቲ ጉዳይ ዘይኮነ፡ ሰፊሕ ንቕሓት ናይ ህዝቢ’ውን ክህልዎ ስለዘለዎ፡ ካብ 2021 ጀሚርና ከነጎሳጉሰሉ ዘለና ጉዳይ እዩ።

ኣብ ጎረባብትናን ከባቢናን ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲና እውን ከነተኩረሎምን ቀዳምነት ሰሪዕና ክንሰርሓሎምን ዘለና ጽላታት ኣለዉ። ኣብኣቶም፡ እዚን እዚን ዝርዝራት ሒዝና ክንሰርሕ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል። እቲ ዓውዲ ሰፊሕ እዩ። ኣብኡ ብዝርዝር ክኣቱ ኣይደልን። ቅድም ነቶም ጸገማትና ነለልዮም እሞ፡ ፍታሖም ከኣ ከምዚን ከምዚ እዩ ኢልና ዕዮ ገዛና ኣካይድና፡ ካብ 2021 ጀሚርና፡ ምስ ግዜ ከኣ እቲ ዘድልየና እናማዕበልና ንኸይድ ኢልና ዝሓዝናዮ መደባት ኣሎ። እዚ ዘምጽኦ ዘለኹ፡ ብቐጥታ ምስ ኮቪድ ኣተኣሳሲርካ ቁጠባና ወይ ንግዳዊ ንጥፈታትና ተተንኪፉ ኣሎ ምባል፡ ነቲ ኣጠማምታ ከጽብቦ ስለዝኽእል እየ። ኣጠማምታና ካብኡ ዝገፍሐ ክኸውን ኣለዎ። ከም መተሓሳሰቢ እየ ዝዛረበሉ ዘለኹ እምበር – ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ክዝረበሉን ጐስጓስ ክካየደሉን ዘለዎ፡ ኣገዳሲ ቁጠባዊ ጉዳይ እዩ።

  • ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽንብል ናጽነት ኣብ ዘስማዕካዮ ቃል፡ ቀዳምነት ኣብ ዝተዋህቦም መደባት ሃገራዊ ልምዓት ሰፊሕ ዝርዝራት ኣቕሪብካ ነይርካ። ከም ኣካል ናይ’ዚ ሓፈሻዊ ውጥን’ዚ፡ ኣብ 2021 ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ዝትግበሩ መደባት ብልክዕ እንታይ እዮም?

= እዚኣ ሕቶ’ዚኣ ዝያዳ ጠመተ ንምስፋሕ ትሕግዝ እያ። ንሓደ ውሱን ጽላት ጥራይ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን። ማትሪክስ ኣሎ – ጽላት ብጽላት ዝተሰርዐ። ኣብኡ ድማ ቀዳምነታት ኣሎ። ናይቲ ኣብ ሓደ ጽፍሒ ዘሎ ጥምሮ ናይ ዝተፈላለየ ጽላታት ስእሊ ክህልወካ ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ማይ ልምዓት መደባት ኣሎ። እዚ ሓደ ካብቲ ቀዳምነታት እዩ። ብቐዳምነት ህዝቢ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረክብ ኣለዎ። ብድሕሪኡ ንጥሪት፡ ንጽሬት፡ ንሕርሻዊን ኢንዱስትርያውን ልምዓት፡ እንተላይ ምዕቡል ናይ መስኖ ቴክኖሎጂ ይስራዕ። ምኽንያቱ ማይ ስትራተጂያዊ እዩ። ናይ ማይ ኣገልግሎት፡ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣብ ገጠራት ምዝርጋሕ፡ ከም ስትራተጂ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ።

ብሃገር ደረጃ ዘሎ ዓመታዊ መጠን ዝናብ በብኸባቢኡ ክፈላለ ይኽእል ይኸውን። ምስ መልክዕ መሬት ደሚርና እንተርኢናዮ ከኣ፡ ነቲ ዝዘንብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉን ክንቆጻጸሮን ምእንቲ፡ መደባት ፍወሳ ማይ ኮዖ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ። ማይና ተቖጻጺርና፡ እቲ ዝድለ ኣገልግሎት ከነቕርብ ኣለና። ገፊሕ ስራሕ’ዩ። ግን ዓመት ብዓመት ክንደይ ንትግብር ተሰሪዑ ይስርሓሉ ኣሎ። ንዕኡ ዘድልየና ጸጋታት እዚን እዚን’ዩ፡ ዓበይቲ ማሽነሪታት፡ ጥረ ነገራት ሲሚንቶን ካልእን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ኣፍራዛን ባዴላን ጀሚርካ ክትቅርብ ኣለካ። ዝበዝሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ናይ ጉልበት ስራሕ እውን ምስኡ ስለዝኸይድ። እዚ ምስ ናይ ምግራብ መደብ ሓዊስካ፡ ናይ ሓሙሽተ፡ ዓሰርተ ዓመት ኢልካ ዝርዝር መደባት ኣውጺእካ ክስርሓሉ ዘለዎ እዩ።

ማይ ኣብ ዝኾነ ልምዓታዊ መደብ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ። ምስኡ ከኣ ኤለክትሪክ። እቲ ዘሎ ኤለክትሪክ ብቑዕ ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ሽዑ ሽዑ ዝተተኽለ፡ ናይ 120 ሜጋዋት፡ መመንጨዊ ጸዓት ሕርጊጎ፡ ንዝተወሰነ ከባቢ ጥሙር ኣገልግሎት ክህብ’ዩ ተባሂሉ ጀሚሩ። እናንቆልቆለ ክኸይድ ጸኒሑ ሕጂ ዳርጋ ናብ ዜሮ ወሪዱ ኣሎ። ነዊሕ ዛንታ’ዩ። ንሸሞንተ ዓመት ዝኾነ ጽገና ወይ ክንክን ከይተገብረሉ ስለዝኸደ ዓንዩ። ድሕሪኡ ኣብ ናይ ሕላፍ ሰዓት ፍታሕ ብምእታው፡ እንታይ ትውስኽ፡ ክንደይ ሜጋ ተምጽእ ኮይኑ። ኣብ ገደም ዘሎ ፋብሪካ ሲሚንቶ ኣብኡ ክምርኰስ ስለዘይክእል ናቱ ርእሱ ዝኸኣለ ክህልዎ ኣለዎ ተባሂሉ። ከባቢታት ተሰነይ፡ ኣለቡ፡ ፋንኮ፡ ከርከበት እውን ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ መመንጨዊ ጸዓት ከምዝህልዎ ተገይሩ። ኣብ ገዛ ገዛ ብንኣሽቱ ጀኔረተራት ዝግበር ፍታሓት እውን ኣሎ። እዚ ናይ ጸገም እዩ። መደዓዓሲ ወይ መጽናንዒ እንተዘይኮይኑ ከኣ፡ ናይ ብሓቂ ናይ ጸዓት ሽግር ክፈትሕ ዝኽእል ኣይኮነን።

ስለ’ዚ፡ ነዚ ዝምልከት ሓደ ንጹር ሃገራዊ ናይ ልምዓት መደብ ክህልወና ኣለዎ። ካብ ሓደ ቦታ ዝግበር ናይ ጸዓት ምምንጫው መደብ ድማ ግብራዊ ኣይኮነን። ሞጁላት ክህሉ፡ ማለት በብኸባቢኡ፡ ናይ ቁጠባ ዞባን ንኡስ ዞባን ተባሂሉ፡ ናቱ መመንጨዊ ማእከል ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። እቲ መመንጨዊ ረስናዊ ጥራይ ድዩ ክኸውን ዘለዎ? ማለት ነዳዲ እናምጻእካ ትጥቀመሉ ጀኔረተራት ዲዩ ክኸውን ዘለዎ ወይስ ካልእ መተካእታ ኣሎ። ቅድም ቀዳድም እቲ ከባቢታት ይከፋፈል። ካብ ከርከበት ንሰሜን ዘሎ፡ ካብ ተሰነይን ዓሊ ግድርን ክሳብ ኦምሓጀር ዘሎ፡ ከባቢ ቶኾምቢያን ባረንቱን፡ ዓሰብን ከባቢኡን ክሳብ ገልዓሎ፡ ካብኡ ንሰሜን ከባቢ ባጽዕ ዘሎ እንታይ ክመስል ይኽእል? ኣብ’ዚ ማእከል ከበሳታት’ከ? ኣብ ውሽጢ’ተን ሰለስተ ጂኦግራፊያዊ ናይ ልምዓት ዞባታት እንብለን – ማለት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ከም ሓደ ዞባ፡ ካብ ዓንሰባ ንማእከልን ደቡብን ዘሎ ከም ሓደ ዞባ፡ ጋሽ ባርካን ከፊል ናይ ዓንሰባን፡ ከም ሓደ ዞባ ተወሲዱ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክህልዎም፡ መደባት ተሓንጺጹ ክስርሓሉ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ’ዚ ረስናዊ መመንጨዊ፡ ተሓዳሲ ጸዓት ማለት ጸሓያዊ፡ ንፋሳዊ፡ ጂኦተርማል ከተእቱ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእትዩ ናይ ጸዓት መደባትና ብስትራተጂ ደረጃ ንጹር ስእሊ ክህልዎ የድሊ። ብቐጻሊ ኣብ ረስናዊ መመንጨዊ ጸዓት ተሞርኩስና ክንከይድ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ወጻኢታቱ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ስለዚ ዝተፈላለየ ዓይነት መመንጨዊ ጸዓት እናዳቐልና፡ ክሳብ ገዛ ብገዛ፡ ስድራ ብስድራ እናተኣታተና፡ ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ክንደፍእ ኣለና። እቲ ዘሎ ሓፈሻዊ ናይ ጸዓት ስትራተጅን ፕሮግራማትን እዚ ኮይኑ፡ ዓመት ዓመት ክንደይ ካብኦም ክንትግብር ንኽእል እናርኣና፡ በብግዜኡ ዝትግበር እዩ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ናይ ትሕተ-ቅርጺ መደባት እዩ። ህንጸት ጽርግያታት ምስቲ ቀዳምነት ዝስራዕ እዩ። ብዘይ ብኡ ዝኾነ ናይ ካልእ ልምዓት መደባት ከተውጽእ ዝከኣል ኣይኮነን። ከተማታትን ገጠራትን ዘራኽብ ጽርግያታት የድሊ። መስመር ባቡር እውን ክውሰኾ የድሊ።

እዚ ናይ ማይ፡ ጸዓትን ትሕተ-ቅርጽን ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ሰሪዕና፡  ካልኦት እውን ከከም ኣድላይነቱ፡ ሓደ ክልተ ኢልና ሰሪዕና፡ ዓመት ዓመት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጽላት ክንትግብሮም ንኽእል ደሚርና፡ ከም ሓደ ጥሙር መደብ ሒዝና ንሰርሓሉ ኣለና። ካብኡ ናብኡ ድማ፡ ኣብ ማይን ኤለክትሪክን ዘሎ መደባት ኣዝዩ ገፊሕን በዳህን ምስ ምዃኑ፡ ዓመት ዓመት ከነተግብሮ እንኽእል ከነዕቢ ንፍትን ኣለና። ከምዚ ዝገለጽክዎ እቲ ኣፕሮች ወይ ኣሰራርሓ ጥሙር ኮይኑ፡ ምስ ክውንነታዊ ናይ ምምዋል ዓቕምና ተዛሚዱ ዝኸይድ እዩ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ እዋን ብሓፈሻኡ ዝተገልጸ፡ ዓሰርተ ዝኸውን ነጥብታት፡ ዓመት ዓመት ዝያዳ እናነጸርናዮን እናኣኾለዕናዮን ንኸይድ ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።

  • ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብመንግስቲ ካብ ዝተወስዱ ዓበይቲ ስጉምትታት ሓደ፡ ምስትኽኻል ደሞዝ ናይ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እዩ። እቲ መደብ በብመድረኹ ክትግበር ጸኒሑ፡ ኣብ ራብዓይ ክፋል ናይ 2020 ወርሓዊ ደሞዝ ናይ’ቶም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወድኡን ካልኦት ቀጸላታት ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ናብ 1800 ናቕፋ ደይቡ ኣሎ። እዚ መደብ’ዚ ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ ዝወሓደ ክፋል ዝትግበረሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ መዓስ ይኸውን?

= እዛ ሕቶ’ዚኣ ቅድሚ ሕጂ መሊሰያ ነይረ እየ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ መረዳእታና ክሰፍሕ ክኽእል ኣለዎ። 1800 ናቕፋ ደሞዝ ኣይኮነን። ዝተፈላለየ ቅመራታት ጌርካ፡ ኣብ መወዳእታ እስከ ከም መበገሲ ንሓዞ እሞ፡ ብግብሪ ናበይ ገጹ ክምዕብል ከምዝኽእል እናርአና ንኸይድ ተባሂሉ ዝተወሰነ እዩ። ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ሓይሊ እንተዘይብሉ፡ 1800 ፍቕዲ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እንታይ ክትገዝኣሉ፡ እንታይ ኣገልግሎታት ክትረኽበሉ ትኽእል? ዋላ ሓንቲ።

ኣብ ሓደ እዋን ንኹሉ ነገር መልሲ ክትረኽበሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ጉዳይ ደሞዝ ከኣ ዘይሩ ዘይሩ፡ ናብቲ ናይ መንግስቲ ባጀት ስለዝመጽእ፡ ባጀታዊ ኣሰራርሓ እውን ክመሓየሽ ኣለዎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ባጀት ናይ መንግስቲ እዚ እዩ መኣዝኑ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላት መንግስቲ ዘሎ ብኽነት (ዌስተጅ) ክለዝብ ክኽእል ኣለዎ። መካየዲ ስራሕ፡ ንነዳዲ፡ ንመኪና፡ ናይ ቤት ጽሕፈት መሳርሒታት እናተባህለ ዝግበር ወጻኢታት ብዙሕ እዩ። እዚ ወጻኢታት’ዚ ለዚቡ ናብ ደሞዝ ክሰግር ክኽእል ኣለዎ። ዓመታዊ ባጀት ክንዲ’ዚ እዩ እንተተባሂሉ፡ እቲ ንደሞዝ ዝኽፈልን ንዝተፈላለዩ መሳለጥያታት ወይ መካየዲ ስራሕ ተባሂሉ ዝወጽእን ክስተኻኸል ክኽእል ኣለዎ። ስለዚ ኣብ’ቲ ኣሰራርሓ መሰረታዊ ቅርጻዊ ምትዕርራይ (restructuring) ይሓትት።

ስለዚ፡ መጀመርታ እዚ መበገሲ ዝበሃል ዘሎ ደሞዝ 1800 ኣብ ኩሉ ክትግበር ኣለዎ። ብድሕሪኡ እቲ ደሞዝ ጉዳይ ብጉዳይ፡ ሰብ ብሰብ’ውን ክግምገም ክኽእል ኣለዎ። ምስ’ቲ ሓፈሻዊ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢን ዓይነት ህይወትን ክዛመድ ኣለዎ። ዓመት ዓመት ከኣ ክቕየር ክኽእል ኣለዎ። እዚ ምስ ገንዘባዊ ወይ ፊስካላዊ ርግኣት ካልኦት ዝተፈላለዩ ምስ ዕብየት ቁጠባን ፍርያትን መንግስታዊ ወጻኢታትን (expenditure) ዝተኣሳሰሩ ረቛሒታት ተዛሚዱ ዝኸይድ እዩ። ግን ከይደናጎየ ክትግበር የድሊ። ባጀት ውሒዱና፡ ከነማቕርሖ ኣይከኣልናን ክበሃል የብሉን። ከነጽንሖም እንኽእል ንግዜኡ ኣጽኒሕና፡ ድራርና ሒዝና ክንኣቱ፡ ካብ ምድባት ልሙድ (recurrent) ባጀት ናብ ደሞዝ ክኸይድ ኣለዎ። ዝኾነ ባጀት ዝውሰን እንተሎ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ቀዳምነት ተዋሂብዎ፡ በዚ መበገሲ ደሞዝ ጀሚሩ፡ ብጽፍሒታት እናተገልጸ ክትግበር ኣለዎ። ኩሉ ንእለቱ ይትግበር ማለት ኣይኮነን። ዓመት ብዓመት እናተመሓየሸ ዝኸይድ እዩ። ቅድም ርግኣት ናይ’ቲ ታሕተዋይ ደረጃ ናይ ደሞዝ ይረጋገጽ፡  ካብኡ እናወሰኸ ይኸይድ። እዚ መበገሲ ደሞዝ ግን፡ ንገለ ዝብጽሖ ንገለ ዘይብጽሖ ዘይኮነ ዓማሚ እዩ።

እቲ ናይ ዕዳጋ ኣተሓሕዛ እውን ስርዓት ክሕዝ ዘለዎ እዩ። መጠን ዘይብሉ መኽሰብ ክትሕዝ ኢልካ ዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈት፡ ንመነባብሮ እናኽበዶ ስለዝኸይድ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ዝወሃብ ደሞዝ ትርጉም ስለዝኸልኦ፡ ኣብኡ ዕቱብ ምቁጽጻር ክህሉ ኣለዎ። እቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ፡ ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ካልኦት ምስኡ ዝተሓጋገዙ ኣካላትን ዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ፡ ነዚ እውን ዘልዝብ ክኸውን ኣለዎ።

  • ዋላ’ኳ ውሑዳት እንተኾኑ፡ ደሞዞም ዘይተመሓየሸሎም ኣለዉ’ሞ ብዛዕባኦም’ከ?

= ኣብኡ ዘከራኽር የለን። እቲ መበገሲ ክወሃቦም ዝግባእ ውሑዳት ዘይተዋህቡ እንተለዉ፡ ካብቲ ክወሃቦም ዝግባእ ዝነበረ ግዜ ተሓሲቡ ውህሉል ክወሃቦም ይኽእል እዩ።

  • ሕራይ ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ መደምደምታ ምስዚ ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት ኮሮና ቫይረስን ዞባዊ ኩነታትን ብምትእስሳር ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ዓመተ 2021 ንቕድሚት ብዛዕባ ዘሎ ብድሆታት ኮነ ዕድላት እንታይ ኣመት ትህበና?

= ብዙሓት ኣርእስትታት ኣልዒልና ተዛሪብና ኣለና፡ ዘይተዘራረበናሎም ኣርእስትታት ክህልዉ’ውን ይኽእሉ – ኣብ መወዳእታ ናብ ህዝቢ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ኣብ ድሕነታዊ ጉዳያት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክመጽኡ ዝኽእሉ ምዕባለታትን ናይ ዞባ ኩነታትን ክተት፡ ዕጥቅኻ ሸጥ! ዝብል እዩ።

  • ዝያዳ መብርሂ መድለየ’ዶ. . .?

= እወ መብርሂ የድልዮ እዩ። ናይ መንግስቲ ኣካላት ክገብራ ዝኽእላ ክገብራ ይኽእላ እየን። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ወሳኒ ናይ ህዝቢ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዝተፈላለዩ ካልኦት ኣካላት፡ ዝተፈላለየ ምምሕዳራት ናቶም ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ። ኣብ መወዳእታ ግን ነቲ ዝወስድዎ ስጉምቲታት ህዝቢ ተረዲኡ ክኸተሎ ኣለዎ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓውዲ እንተላይ ኣብ ድሕነታዊ ጉዳይ ዘሎ ዕማማት ድማ ብተመሳሳሊ ኩሉ ሰብ ክነጥፈሉን ክሳተፎን ክኽእል ኣለዎ። ኢልና ክንዛረበሉ ዝወዓልና ናይ ጃንዳ ጉዳይ ኣይኮነን። ንሕና ዝሓለፈ ሰማንያ ዓመታት ረጊእና ብሰላም ክንነብር እንተንኽእል፡ እታ ንረኽባ በሊዕና ክንከይድ ኣይመጸገመናን ነይሩ። ስለዚ ተጻብኦታት ኣሎ፡ ንምጥቃዕናን ምንጻልናን ዝካየድ ፈተነታት እንተሎ፡ ብወገንና ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ዜናውን ዓቕምና ኣኽቲትና ክንምክቶ ኣሎና። እዚ ንባዕሉ ዓቢ ምኽታት’ዩ። ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ስለዚ ኩሎም ጉዳያት ደማሚርና እንተርኢናዮም፡ ናይ ብምሉኡ ህዝቢ ተሳትፍዎ ክህልዎም ስለዝግባእ፡ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ኣብ ኩሎም ግንባራት ክኸትት ኣለዎ እዩ መልእኽተይ።

ክቡር ፕረዚደንት – የቕንየልና።

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More