ሎሚ 22 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 18 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 15 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 5 ኣብ ሰገነይቲ፡ 4 ኣብ ሰንዓፈ፡ 2 ኣብ ድባርዋ፡ 2 ኣብ መንደፈራ፡ 2 ኣብ ዓዲ-ዃላ፣ 3 ድማ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 11 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 5 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 2 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 18 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2703 በጺሑ’ሎ። 2068 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 628 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
22 ለካቲት 2021