ሎሚ 23 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ጋሽ-ባርካን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 70 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 62 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 27 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 15 ኣብ መንደፈራ፡ 7 ኣብ ሰንዓፈ፡ 6 ኣብ ድባርዋ፡ 4 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 3 ድማ ኣብ ጸሮና ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 7 ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 3 ካብ ኣዲባራ፡ 3 ካብ ጎልጅ፡ ሓደ ካብ ኦምሓጀር፡ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል እዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 91 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2773 በጺሑ’ሎ። 2159 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 607 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
23 ለካቲት 2021