ሎሚ 24 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 16 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 13 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 2 ኣብ ኦምሓጀር – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሓደ ድማ ኣብ ዓዲ-ቐይሕ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 9 ኣብ ዞባ ማእከል 5 ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ብጠቕላላ 14 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2789 በጺሑ’ሎ። 2173 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 609 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
24 ለካቲት 2021