Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 25 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 37 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 31 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት – 22 ኣብ ኣዲባራ፡  6 ኣብ ባረንቱ፡ 2 ኣብ ሻምብቆ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓሊ-ግድር ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እቶም ዝተረፉ፡ 4 ካብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 3 ካብ ዓሰብ፡ ሓደ ካብ ራሓይታ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓደ ድማ ካብ ባጽዕ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ – 36 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 6 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 6 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 4 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 52 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2826 በጺሑ’ሎ። 2225 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 594 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

25 ለካቲት 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More