ሎሚ 25 ለካቲት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 37 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 31 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት – 22 ኣብ ኣዲባራ፡ 6 ኣብ ባረንቱ፡ 2 ኣብ ሻምብቆ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓሊ-ግድር ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 4 ካብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 3 ካብ ዓሰብ፡ ሓደ ካብ ራሓይታ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓደ ድማ ካብ ባጽዕ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ – 36 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 6 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 6 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 4 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 52 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2826 በጺሑ’ሎ። 2225 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 594 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
25 ለካቲት 2021