ሎሚ 2 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 18 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 14 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ ከምኡ’ውን 4 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 3 ኣብ ደቀምሓረ፡ ሓደ ድማ ኣብ መንደፈራ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 81 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 2 ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 83 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2884 በጺሑ’ሎ። 2344 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 533 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
2 መጋቢት 2021