ሎሚ 3 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ጋሽ-ባርካን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 4 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ – ዞባ ደቡብ፣ 3 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 2 ኣብ ኦምሓጀር፡ ሓደ ድማ ኣብ ባረንቱ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 31 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 6 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 3 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 40 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2892 በጺሑ’ሎ። 2384 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 501 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
3 መጋቢት 2021