ሎሚ 4 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 21 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 20 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 6 ኣብ ኣዲባራ፡ 4 ኣብ ኦምሓጀር፡ 4 ኣብ ጎልጅ፡ 4 ኣብ ዓሊ-ግድር፡ 2 ኣብ ኣቑርደት፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 3 ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ብጠቕላላ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2913 በጺሑ’ሎ። 2388 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 518 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
4 መጋቢት 2021